Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ተወሳኺ መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝግበር ኢንቨስትመንት ምድንፋዕ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ዋና ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኦድሪ ኣዙላይን ኣብ ዘዳለዉዎ ዓለም ለኸ ኣኼባ ትምህርቲ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዐን።

እተን ፕሬዚዳንት ብበይነ መረብ ኣቢለን ተረኺበን ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ተወሳኺ መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ይግባእ ኢለን።

ካብዚ ብተወሳኺ እተን ሬዚዳንት ኣካቢት ኮሚሽን ዓለም ለኸ ትምህርቲ ስለዝኾና ኣብ ቀፃሊ ዘፈር ትምህርቲ ንመላእ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ብዝርከብ ኲናት ምኽንያት ተጠቃዕቲ ንዝኾና ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ንምግባር ፃዕሪ ከምዝገብራ ተዛሪበን።

ኣባላት እቲ ኮሚሽነ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብዝተገበሩ 19 ኣኼባታት ንዘርአዩዎ ቆራፅነት ኣመስጊነን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መደረአን፥ ባህሊ ሰላም ንኽድንፍዕን ትምህርቲ ንሰላም ምውዓል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምስራሕ ይግባእ ምባለን እውን ካብ ቤት ጽሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብመንፅር እዚ ትምህርቲ ዓቢዪ ግደ ከምዝፃወት ኣገንበን።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.