Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግናን ፓርቲ ዩናይትድ ራሽያን ርክቦም ንጥንኻር ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ዋና ቤትፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕን ኣምባሳደር ፌዴሬሽን ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቨጌኒ ቴረኺን ርክብ ፓርቲ ብልፅግናን ፓርቲ ዩናይትድ ራሽያን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ኣድሂቦም ዘትዮም።

ኣብ መንጎ እቶም ፓርትታት ቅድሚ ሐዚ ብመሰረት ዝተፈረመ ክልቲኣዊ ሰነድ ስምምዕ ርክብ ፓርቲ ምስ ፓርቲ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣመልኪቶም ዘትዮም።

እቶም ፓርትታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ኣብ ዘጠናኽር መልክዑ ንምስራሕ ተሰማሚም። ኣይተ ኣደም ፋራሕ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝበልዎ÷ ርክብ ኢትዮጵያን ፌዴሬሽን ሩሲያን ልዕሊ 1 ሚኢቲ ዓመት ዘቑፀረ እዩ። ፌዴሬሽን ሩሲያ ንኢትዮጵያ ንዝገብሮ ምትሕብባር ኣይተ ኣደም ኣመስጊኖም።

ኣምባሳደር ሩሲያ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያናን ሩሲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝጀመርዎም ምትሕብባራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር እዚ ርክብ ፓርቲ ምስ ፓርቲ ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣምባሳደር ካብ ሞስኮ ዝተለክኣኸ መልእኽቲ ነቶም ሓላፊ ዋና ቤትፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ከምዘረከቡ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.