Fana: At a Speed of Life!

ዋና ዳይሬክትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ዳይሬክትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም ተዛትዮም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ንምዝታይ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ይርከቡ።

ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሺ ዢንፒንግ ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ሓዱሽ ቫይረስ ኮሮናን እታ ሃገር ነቲቫይረስ ንምክልኻል ትገብሮ ዘላ ፃዕሪን ብዝምልከት ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ እውን ተዛቲዮም ኢዮም።

ቻይና ንምክልኻል እቲ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ዝነኣድ ምዃኑ፥ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

ነቲ ቫይረስ ንምጥፋእ እናወሰደቶ ትርከብ ስጉምቲ ዝበረታታተዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ቻይና ከምዚ ዝበሉ ለበዳ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ምሉእ እምነት ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ዝርገሐ ናይቲ ለበዳ ሕማም ንምዕጋት ውድቦም ምስ መንግስቲ ቻይና ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብርን ተዛሪቦም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብግደኦም፥ ሃገሮም ነቲ ቫይረስ ኣብ ሓፂር እዋን ንምጥፋእ ሙሉእ ዓርሰ እምነትን ዓቕሚን ከምዘለዋ ኣፍሊጦም።

ብምኽንያት እቲ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት 106 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ልዕሊ 4 ሺሕን 500 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ሎሚ መዓልቲ ዝወፅኡ ሓበሬታታት የረድኡ።

እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ብተወሳኺ ኣብ 16 ሃገራት ዓለም ከምዝተርኣየ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ሺንዋን ቢቢሲን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.