Fana: At a Speed of Life!

ንኣባይቲ ክራይ ቤት ዕዮታት ፌዴራል ዝወፅእ ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ንምትራፍ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስት ንኣባይቲ ክራይ ቤት ዕዮታት ፌዴራል ዝወፅእ ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ንምትራፍ ፕሮጀክት ሓንፂፁ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒሰስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣፍሊጡ።

ውሑዳት ዘይበሃሉ ቤት ዕዮታት ፌዴራል ናይ ባዕሎም ቢሮ ዘይብሎም ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ስሩዕ ስረሖም ንምስላጥ ዘይምችዉ፣ ንስራሕ ተበግሶ ዘየበረታትዑን ዘይስሕቡን፣ ንተገልገልቲ ዓማዊል እውን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንመሃብ ዘይዕድሙ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ እታ ሃገር ንካልኦት መሰረተ ልምዓታት እናውዐለቶ ዝነበረት ልዑል መዋእለ ንዋይ ንኽራይ ወፃ ዘቃልዕ ንዕቤት ሃገር ማሕለኻ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብውሳነ መንግስቲ ቤት ፅፈት ፕሮጀክት ህንፀት ህንፃታት ብዝብል ስያመ ዝተጣየሸ ትካል ዘርጊሑ ዘበናዊ ፅሬቶም ዝሓለዉ፣ ብዋጋ ተበፃሕቲ ዝኾኑ፣ ኣብ ዝተሃቀነ ተዛዚሞም ንስራሕ ምቹዋት ዝኾኑ ናይ ስራሕ ከባቢ ንምፍጣር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ኣገንዚቡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ተሃኒፆም ኣብ ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ ኣባይቲ ቤት ዕዮታት፥ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ በዓል መዚ እቶትን ጉምሩኽን ፌዴራል፣ ሚኒስቴር ሲቪል ሰርቪስ፣ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ዋና ኦዲተር ፌዴራል፣ ቢሮ ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል፣ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ቢሮ ማእከላዊ ስታቲስቲክስ፣ ቢሮ ትካላት መሬት ፌዴራል፣ በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ፣ መንበሪ ገዛ ኣገልግሎት ዘበኖም ንዝዛዘሙ ናይ መንግስቲን ሃገርን መራሕቲ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ኤጀንሲ መርብ ሓበሬታን ድሕንነትን ተፀራሕቲ ኢዮም፡፡

ካብ ዝተዘርዘሩ ኣብ ረብሓ ዝወዓሉ ህንፃታት ብተወሳኺ ብዙሓት ህንፃታት ፌዴራል ኣብ ከይዲ ህንፀት ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.