Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መሓዙትና ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኽብሩ ይግባእ – ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 100 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ንምትርማስ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ልዑል ፀገም ፀፅታ ከምዘጋጠመ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ ንምድኻምን ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ንምግልባጥን እቶም መደናገርቲ ተዋሳእቲ ስነ-ልቦና ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእተዉ ናይ ባዕሎም ባምቡላ ንምቕማጥ ዘለዎም ድሌት ብድፍረት ኣዊጆም ኢዮም” ኢሎም።

ዓለም ለኸ መሓዙት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርጫ ህዝቢ ንምኽባርን ንምሕላውን ከምኡ እውን ከፋፋሊ ዛዕባ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምቅላስ ዝግበር ፃዕሪ ተረዲኦም ንኽድግፉን ፃውዒት ከምዘቕርብ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕንነት ሃገርን መላእ ህዝቢን ዘሕይለል ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናሰርሑ ንንፁሃን ተወለድቲ ትግራይ ብሓሶት እናወንጀሉ፣ ግብረ መልሲ ንኽምሉሱሎምን ራዕዳዊ ዛዕበኦም ንምፍፃም ዝሰርሑን ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ጉዳይ ትግራይ ምስ ዘገድዶም ኣካላት ብምዃን ንፁሃን ንኽሕለዉ ዝሕግዙ ኣሰራርሓታት ንምፍታሽን ንምግምጋምን ንፁሃን ክሕለዉ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፥ “ኣብዚ ፈተና እዋን፣ ዝተወሰኑ ስሕተታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ንግንዘብ ኢና ይኹን እምበር ኩሉ ነገር ብሕጋዊ ኣግባብ ንኽፍፀም ቆራፃት ከምዝኾንና ነረጋግፅ” ክብሉ ገሊፆም።

ሓድነትና ጥንካረና ኢዩ፤ ብእንገብሮ ቃልሲ ሰላምን ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና፤ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ነዓና ንምሕጋዝ ፃዕሪ ንዝገብሩ ኩሎም ምስጋና ይብፀሓዮም ኢሎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.