Fana: At a Speed of Life!

ብሽም ዓለም ለኸ ትካላት ዝፍፀሙ ገበናት መንግስቲ ኣይዕገስን – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዘይግቡእ ይእሰሩኒ ኣለዉ ዝብል ክሲ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ክባላ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

እተን ሓላፊት ምስ ሲጂቲኤን ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታተይ ይእሰሩኒ ኣለዉ ኢሉ ንመንግስቲ ይኸስስ ኣሎ? ዝብልሕቶ ቀሪቡለን ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ፥ ንኢትዮጵያ መሓዙት ካብ ዝበሃሉ ትካላት ውሕመ ሓደ ከምዝኾነን ኣብ ውሽጢ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተጠርጠርቲ ፀዊዕኻ ተዘራርብ፣ ትምርምር እዚ ኢዩ ዝተገበረ ክብላ መሊሰን።

ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ዝነኣድ ስራሕ ዝሰርሑ ከምዘለዉ ኣብ ዘፍርስ ተግባር ብምስታፍ ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘፈፅ እውን ተረኺቦም ኢዮም ዝበላ እተን ሓላፊት፥ መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ናብ ሓደጋ ዘቃልዑ ግን ኣይዕገስን ኢለን።

ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይሪኦ? ተባሂለን ንዘሓተተኦ ሕቶ፥ ፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብልን ውሳነ እቲ ሕብረት ብግቡእ ከምዘኽብርን ገሊፀን።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.