Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ፀፅታን ካብ ምሕላው ጎናጎኒ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ዝተመርሐን ካቢኔ እቲ ክልልን ዘካተተ ልኡኽ ኣብ ዞባ ሸቤሌ ዑደት ገይሮም።

እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ወረዳ ቤር ኣኖ ሩባ ዋቢ ሸበሌ ብምጥቃም ብመስኖ ዝለምዐ 75 ሄክታር ዝራእቲ ዝተዓዘበ እንትኸውን፥ ቅድሚ ሕዚ ትኹት ዘይተውሃቦ ስራሕቲ መስኖ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዑል ውፅኢት እናመዝገበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ክልል ርርከብ ሩባ ሰቤሌ እናለምዐ ዝርከብ መሬት ዝፈርዩ ፍርያታት ሕርሻ ብትሑት ዋጋ ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ብምቕራብ ኣብ ኢትዮጵያ ብምግቢ ባዕላ ንኽትክእልን ናይ ወፃኢ ሃገር ፅዕንቶ ንምፅዋር ብስፍሓት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዑደት ተሓቢሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፥ መንግስቲ ህዝቢ እቲ ክልል ሙሉእ ብሙሉእ ብሰበኽ ሳግም ከይውሰንን ብሕርሻ ብፈላይ ንስራሕቲ ሕርሻ ትኹረት ክወሃብ ክስራሕ ኢዩ ምባሎም መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሶማሌ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.