Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግምባር ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንወፍሪ ህልውና ኣብ ግምባር ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዝግበር ሓገዝ ስንቂ ተጠናኺሩ ቀፂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ሃረሪ ዝርከባ ኣዴታት ንሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት ፀፅታን ዝኸውን ስንቂን እናሰናድኣ ከምዝኾና ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኢትዮጵያ ንምድሓን ቀፃልነት ሃገር ንምርግጋፅ ኣብ ግምባር ተረኺቦም ናይ ህይወት መስዋእትነት እናኸፈሉ ንዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ስንቂ ብምድላው ደጀንነተን እናርአያ ከምዝኾና ተዛሪበን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጌዴኦን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሉኣላውነት ሃገር እናሓለወ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ዘለወን ኣጋርነት ንምርኣይ ስንቂ እናሰናድኣ ይርከባ፡፡

ሰራሕተኛታት ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ምንግስቲ ክልል ኣምሓራ እውን ንኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልለ ኣምሓራ፣ ሚሊሻ፣ ፋኖን ዘመትቲን ሓገዝ ደረቕ ሬሽን ገይሮም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.