Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብፀገም እናሓለፈት ትኹን እምበር ምዕባለ ካብ ምርግጋፅ ንደሓር ኣይትብልን –  ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብፀገም እናሓለፈት ትኹን እምበር ምዕባለ ካብ ምርግጋፅ ንደሓር ከምዘይትብል ሚኒሰስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምባሳደር ኒውዝላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሚካኤል ኣፕተን ተዛቲየን።

ኣብ እዋን ዘተአን ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኒውዝላንድን ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ካብ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ዝጀመረ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ማለት እውን ብሕርሻ፣ ቢዝነስን ምርምርን ዝማዕበለ ርክብ ከምዝነበረን ገሊፀን።

ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እናተመዝገበ ዝርከብ ልዑል ዕቤት መንግስቲ ንልምዓት ዘለዎ ቆራፅት ዘመላኽት ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝኾነ ይኹን ፀገም የጋጥሙዋ እምበር ዕቤት፣ ልምዓትን ምዕባለን ካብ ምርግጋፅ ንደሓር ከምዘይትብል ኣረጋጊፀን፡፡

ኣምባሳደር ሚካኤሊ ኡፕተን ብግደአን፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ መሓዛ ልምዓት ከምዝኾነት ብምሕባር ዚትዮጵያ ትርከበሉ ከቢድ እዋን ንኽትሓልፍ መንግስቶም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ገሊፆም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ብዓውዲ ሕርሻ፣ መቀነባበሪ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኩነታት ለውጢ ኣየር፣ ምርምርን ኢንቨስትመንትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ምስምዕመዖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.