Fana: At a Speed of Life!

ብናይ ሕሶት ወፍሪ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተሓሰበ ነገር ክዕወት ኣይከኣለን – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዓበይቲ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ተመሳሳሊ ብዝኾነ መልክዑ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ብምፍናው ወፍሪ የካይዱ እምበር ዝሓሰቡዎ ከዕውቱ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ሳምንታዊ መግለፂ ሂቡ።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ተዋዲዶም ዝቐርቡ ብዙሓት ናይ ሕሶት ወፍሪታት ናይ ውሽጢ ዓዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ብትኹረት ብምስራሕ ትልሞምን ዕላመኦምን ምፍሻል ይግባእ ኢሎም።

ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያ ኩሉ እዋን ዛዕባኣ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ብወገን መንግስቲ ዘሎን ዝነበረን ድሌት ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝምልከት ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ሃገራት መብርሂ ከምዝቐረበ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ካብ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትንዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዕዉት ምይይጣት ከምዝተገበሩ ገሊፆም።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.