Fana: At a Speed of Life!

ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒሰትራት ኢትዮጵያን ጀርመንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒሰትራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ጀርመንን፥ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኢዩ ኣኼብኡ እናካየደ ዝርከብ።

ተወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፉ ምዃኖም፥ ኤምባ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ፥ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባን ካልኦት ክልተኣዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኢትዮጵያን ጀርመንን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ካብ ዝጅምራ 115 ዓመታት ከምዘቑፀራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.