Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዝተፈነዉ ብዙሓት ጥቕዓታት ምምካት ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ድሕንነት ሳይበር ብዝተሰርሑ ጥንኩራት ስራሕቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈነዉ ብዙሓት ጥቕዓታት ምምካት ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ መርበብ ሓበሩታን ድሕንነትን ካልኣይ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ምዝዛሙ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ  መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ንመጥቃዕቲ ሳይበር ተቓላዒት ኮይና ከምዝነበረት ገሊፁ።

እቲ መግለፂ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ ግድብ ህዳሰ፣ ሃገራዊ መረፃን ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ነቲ መጥቃዕቲ መበገሲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ብዙሓት መጥቃዕቲታት ከምዝተፈነዉን እቶም መጥቃዕቲታት ኣቐዲሙ ብዝተሰርሐ ስራሕ ምምካት ከምዝተኸኣለን እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ብዝተሰርሐ ስራሕ ድማ ሓደገኛ ብዝነበሩ መጥቃዕቲታት ክበፅሕ ዝነበረ ልዑል ኪሳራን ኢኮኖሚያዊ ፅንቶን ምድሓን ተኻኢሉ ኢሎም።

ድሕንነት ሳይበር ሃገር ዝተሓለወ ንኽኸውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.