Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ከምኡ እውን ንኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋር ልዕሊ 25 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ፥ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ተኸታታሊ ሓገዛት ምግባሩ ብምግላፅ ኣብ ወፍሪ ህልውና እናገበሮ ንዝርከብ ኩለመዳይ ሓገዝ ኣብ ልቢ ህዝቢ ዓፋር ንዘለኣለም ከምዝነብር ገሊፆም፡፡

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ደበሌ ቀበታ ብግደኦም፥ ዓፋር ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ ጥራሕ ዘይኮነ ብኢትዮጵያውነቱ ዘይደራደርን ህዝቡን ድምበሩን ዘየድፍር ጅግና ዝርከበላ ብምዃና ነዚ ፈታዊ ሃገር ህዝቢ ኣብ እዋን ፀገሙ ሓቢርካ ጠጠው ምባል ከምዘድሊ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.