Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህልውና ሃገር ዝተኸፈተ ኲናት ኣብ ምምካት ህዝቢ ክለልል ሲዳማ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህልውና ሃገር ዝተኸፈተ ኲናት ኣብ ምምካት ህዝቢ ክለልል ሲዳማ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ሓቲቶም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር እዚ ዝበሉ፥ ሎሚ መዓልቲ ህዝቢ ክልል ሲዳማ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን እናገበሩዎ ዝርከቡ ሃገር ናይ ምፍራስ ወፍሪ ብምቅዋም ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ኢዩ።

ህወሓት ንዘሓለፉ 27 ዓማውቲ ሃገር ዘሪፉ ኢዩ፤ ንህዝቢ ናብ ዘይተገበአ ምንግልታዕን መከራን ከምዝዳረገ እቶም ርእሰ መምሕዳር ገሊፆም።

“ህወሓት ዓውደ ውግኣት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይግበር እምበር ህልውና ሃገር ብምፅራር ንመላእ ህዝብና ዝደፈረ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ወፍሪ ህልውና ንኢትዮጵያ ዝበለፀ ሓድነቱ ዘጠናኽር እምበር ዘዳኽሞ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ደስታ፥ ነዚ ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ እናመከቶ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ህዝቢ ኣብ እዋን ለውጢ ዝተጎናፀፎም ዘኹርዑ ገድሊታት ንምዕፃፍ ይንቀሳቐስ ዝርከብ ጉጅለ ህወሓት ንምምካት መላእ ህዝቢ ክሳብ ግምባር ብምዝማት ዝበፅ ቆራፅነት ከርኢ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ሲዳማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.