Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድምሳስ ንሃገርና ብዘለና ልምዲ ንምግልጋል ወሲንና ኣለና – ነበር ኣባል ሰራዊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)”ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምድምሳስ ንሃገርና ብዘለና ልምዲ ንምግልጋል ወሲንና ኣለና” ክብሉ ነበር ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ገሊፆም።

እቶም ነበር ኣባላት ሰራዊት፥ መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ተቐቢሎም ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጠማ ሃገራዊ ፈተና ንምምካትን እቲ ወራሪ ሓይሊ ንምድምሳስን ብሙሉእ ፍቓድ ብዘለዎም ልምዲ ሃገሮም ንምግልጋል ከምዝወሰኑ ኣብሪሆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ኣብ ከተማ ጎንደር ምስ ዝነብሩ ነበር ኣባላት ሰራዊት ፃንሒት ገይሩ።

ሻለቃ ኣለሀኝ ን14 ዓመት ኣዋጋኣይ መኮንን ኮይኖም ሃገሮም ዘገልገሉ እንትኾኑ፥ ብዝነበረ ስርዓት ግቡእ ክንሪ ከምዘይተወሃቦምን ስሩዕ ህይወቶም ንምምራሕ ይፅገሙ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ከም ገለፃ ሻለቃ ኣለሀኝ፥ ብዙሓት ዘይተመለሱሎም ውልቃዊ ሕቶታት የሃልዉዎም እምበር ሃገር ኣብ ፀገም ኮይኖም እዚ ንምልዓል ሃገር ምስ ምኽሓድ ማዕረ ዝረአ ስለዝኾነ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሰጋእ መጋእ ፃውዒት መንግስቲ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉ ተዛሪቦም።

ተኳሲ መድፍዕ ሻምበል ኣማረን ሓለቓ ዓሰርተ ኣለማየሁን ብግደኦም፥ እናተፀበናዮ ዝነበርና ፃውዒት ብሓጎስ ተቐቢሎም ንፀላኢ ኢትዮጵያ ንምቅላስ ፀላእታ ክጠፍኡ ንምግባርን ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ካብኦም ዝግበር ትፅነቢት ከምዝገብሩን ኣብሪሆምም።

“ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹ መገዲ ሕዚ ዝገጠማ ፀገም ብፃዕሪ ደቃ ተሳጊራ ብዓወት ክትደምቕ ኢያ” ኢሎም እቶም ነበር ኣባላት ሰራዊት።

ብምናለ ኣየነው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.