Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ከተማ ጂግጅጋ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲን ጉጅለ ጥፍኣትን ንዝኾ ህወሓት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ 20 ቀበሌታት እታ ከተማ ዝመፅኡ ነበርቲ ከተማ ጂግጂጋን ኣመራርሓታት ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣመሓዳሪ ዞባ ፋፈን ኣይተ ኣብዲሐኪን መሓመድ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃገርን እቲ ክልልን ዘብፀሖ ግፍዒን መከራን ከየኣክል ሕዚ እውን ህዝቢን ሃገርን ንምብታን ምስ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ጥፍኣት ኮይኑ ሃገር ንምፍራስ ዝገብሮ ሽርሒ ከምዝኹንኑን ብሕድነት ምቅላስ ከምዝግባእን ገሊፆም።

ነበርቲ ከተማ ጂግጂጋ ብግደኦም፥ ግብረ ራዕዲን መፍረሲ ሃገርን ንመወዳእታ ግዘ ንምጥፋእ መንግስቲ ዝገብሮ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ክሳብ መወዳእታ ከምዝድግፉ ብምግላፅ፤ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ከምዝብሉ ካብ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሶማሌ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.