Fana: At a Speed of Life!

ደቂ ዓድዋ ምዃንና ረሲዖም ብኣጉዋ ከፈራርሑና ይፍትኑ ኣለዉ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ደቂ ዓድዋ ምዃንና ረሲዖም ብኣጉዋ ከፈራርሑና ይፍትኑ ኣለዉ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
 
እተን ከንቲባ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ዝተኻየደ ንግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ዝኹንን ሰልፊ ተረኺበን፡፡
 
ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ነቶም ግብረ ራዕዳውያን ብምድምሳስ ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ናይዚ ዘመን ወለዶ ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡
 
እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፥ “ደቂ ዓድዋ ምዃንና ነመስክረሉ እዋን ሕዚ ኢዩ” ኢለን፡፡
 
“ደቀ መዝሙር ዴሞክራሲ ኢና ዝብሉ ምዕራባውያን ንናትና ዴሞክራሲ እናተጋፍዑ ተራኢዮም ኢዮም” ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ምዕራባውያን ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ንኽልዎ ዝኸኣሉዎ ኩሉ ከምዝገበሩ ገሊፀን፡፡
 
ሚዲያታቶም እውን ኣዝሚቶምልና ኢዮም ኢለን፡፡
 
ተለኣኣኽቲ ህወሓትን ሸኔን ሃገር ናይ ምፍራስ ልኡኽተኦም ብምምካት ሉኣላዊነትና ንምኽባር ኩሉ ናብ ወፍሪ ህልውና ክፅምበር እውን ፀዊዐን፡፡
 
ናፅነትና ከሕድገና ዝመፅአ ሓይሊ ንሽከመሉ እግዳዕ የብልናን ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ብሃገር እንተመፂኦም ንስሰዐሉ ህይወት፣ ሃፍቲን ንብረትን ክህሉ ከምዘይግባእ ኣግዚበን፡፡
 
ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!
ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!
መከላከያ ይደግፉ/ፋ!
 
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
 
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
 
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
 
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
 
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
 
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.