Fana: At a Speed of Life!

ቴሌቪዥን ጣቢያ ሲ ኤን ኤን ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናውፀአ ምዃኑ ተቓሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቴሌቪዥን ጣቢያ ሲ ኤን ኤን ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናውፀአ ምዃኑ ተቓሊዑ።

እቲ ጣቢያ ብዝምልከት ተደጋጋሚ ፀብፃባት እናሰርሐ ይረኸብ እምበር፥ ዝርሖም ፀብፃባት ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ዘይተመርኮሱ ናይ ሕሶት፣ ዝተዛብዑን ሚዛናዊነት ዝጎደሎምከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣማኻሪ ቴክኖሎጂን ስትራቴጂስትን ዝኾነ ዋና ኣሰናዳኢ ቴክቶክ ሰሎሞን ካሳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ዕላዊ ከምዝገበሮ፥ ሲ ኤን ኤን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ጎንፂ ብዝሰርሖ ሓደ ፀብፃብ ናይ ሕሶት ምስሊ ከምዝተጠቐመ ኣቃሊዑ።

“ዝኾነ ይኹን ነገር ተሓቢኡ ንዘለኣለም ኣይፀንሕን” ብዝብል መምርሒኡ ዝፍለጥ ኡጋንዳዊ ናይ ምርመራ ጋዜጠኛ ዳንኤል ሉታያ ብግድኡ፥ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምምፅኡ ፀብፃባት ሲኤን ኤን ተዓዚቡ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ናብ ማእኸል ዓውደ ኲናት እናኣተወ ከምዝኾነ ተሰሚዑዎ ከምዝነበረ ኣብ ትዊተር ገፁ ፅሒፉ።

ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ እንትበፅሕ ዘጋጠሞ እቲ ፀብፃብ ካብ ዝፈጠረሉ ምስሊ ተቓራኒ ከምዝኾነ እቲ ጋዜጠኛ ኣፍሊጡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.