Fana: At a Speed of Life!

ምትእኽኻብ ዳዕሮታት ንዱር ዘይድፈር ይገበሮ ኣሎ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ፈታኒ እዋን ውላዳት ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከምዝተለዓሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ “ናይ መወዳእታ ከቢድ ሕማም ሕርሲ ህፃን ዝውለደሉ ሰዓት ኢዩ፤ እዚ ፈታኒ እዋን እውን ጀጋኑ ዝውለዱሉ ኢዩ።”

“ውላዳት ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ተላዒሎም ኣለዉ። ፈተናታት ኣጠንኪሮምና ኢዮም።እቶም ፈተናታት እውን ክልኦት መገዲታት ኣርኢዮምና ኢዮም” ክብሉ ገሊፆም።

ገፆም ካብ ዝኸልኡና ፈተውትና ዕፅፊ ናይ ቁርፂ እዋን ፈተውቲ ረኺብና ኢና እውን ኢሎም።

ምትእኽኻብ ኣቑፅልቲ ዳዕሮ ኣይገብርን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምትእኽኻብ ዳዕሮታት ግን ንዱር ዘይድፈር እናገበሮ ከምዝርከብ ኣገንዚቦም።

“ዝኽፈል መስዋእትነት ኣለ፤ እቲ መስዋእትነት ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ጥንኩር ከውሒ ክተኽላ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.