Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካ ዓቒ መናእሰየን ንምጥቃም ዘኽእል ምቹው ኩነታት ክፈጥሩ ይግባእ – ሁሪያ ዓሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ዓቒ መናእሰየን ንምጥቃም ዘኽእል ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል ምቹው ሃዋህው አኖቬሽን ክፈጥሩ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ ገሊፀን።

7ይ ጉባኤ ኢኔቬሽንን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣፍሪካ ብመርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ፥ ሃገራት ኣፍሪካ ዓቒ መናእሰየን ንምጥቃም ዘኽእል ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል ምቹው ሃዋህው አኖቬሽን ክፈጥሩ ይግባእ ኢለን።

ኣፍሪካ ልዕ 250 ሚሊየን መናእሰይ ኣለዉዋ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ናይዞም መናእሰይ ዓቕሚ ጠቕሊልካ ንምጥቃምን መፈልፈልቲ ቴክኖሎጂካዊ መፍትሒ ክኾኑ ንምግባርን መንግስታት ብዕቱብ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ቁፅሪ መናእሰይ ምህላዉ፣ ተረባሕነት ተፈቲኑ ዝተረጋገፀ ቴክኖሎጂ፣ ምቹው ኩነታት ቴክኖሎጂን ንምፍጣር ብወገን መንግስቲ ዘሎ ቆራፅነትን በቲ ዓውዲ ተረባሕቲ ንምዃንን ፅቡቕ ኣጋጣሚን ከምዘኾኑ ገሊፀን።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.