Fana: At a Speed of Life!

ብፃዕዳ ፕሮፖጋንዳ ዝፈርስ ሃገር የለን፤ ዝኣተናዮ ኲናት ናይ ህልውና ኲናት ኢዩ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ

ብፃዕዳ ፕሮፖጋንዳ ዝፈርስ ሃገር የለን። ዝኣተናዮ ኲናት ናይ ሀልውና ኲናት ኢዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ምድሓን ፃውዒት ስዒቡ ዝመፅእ ዘሎ ናይ ሀዝቢ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ብተጋድሎ ደቃ ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት ንሓንሳብን መወዳእታን ንምቕባር ዘሎ መድላውን ተግባርን ዘመላኽት ኢዩ። ኣብ ቀረባ እወን ኣብ መድረኽ ርክብ ኣፈፀምቲ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ንመላእ ኢትዮጵያውያን ንዝቐረበ ፃውዒት ህዝብና ብፍላይ መናእሰይ ዘርኣይዎ ምላሽ ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ።

ካብ ኩሎም ክፍሊታት ኢትዮጵያ ተቖጢዖም ብኹሉ ኣንፈት ብዝተወደበ መልክዑ ናብ ጦር ግምባር እናተጓዙ ይርከቡ፡፡ ፈተውቲ ሃገር ኢትዮጵያውያን ብወነ ሰዓራይነት፣ ስነ-ልቦና፣ ጅግንነትን ቆራፅነትን ናብቲ ግምባር እናተፀምበሩ ይርከቡ፡፡

<span;>ናይ በረኻ ኣንበሳታት ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን መናእሰይ ዓፋርን ናብ ክሎም ንምስፍሕፋሕ ዝተሃንደደ ሓይሊ ምስ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን እናደምሰስዎ ይርከቡ።

<span;>ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝርከቡ ከባቢታት ግዳይ ኣፈፃሚ ገይሩ ዘቐመጦም ኣመራርሓታት እውን ህዝቢ ስጉምቲ ይወስደሎም ኣሎ።

<span;>ኣብ ኩሎም ግንባራት ፀላኢ ንምቕባር ህዝብን ናይ ወገን ጦርን ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።

<span;>ጉጅለ ራዕዲ ትህነግን ፍልፍሉን ኣለና ዝብልዎ ሓይሊ ብምትእኽኻብ ኣብ ከበባ ጥምር ጦር ወገን ይኣትዉ ኣለዉ።

<span;>ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ስዒቡን ብሓይሊ ወገን ልዑል ንቕሓትን ምልዕዓልን ተፈጢሩ ኣሎ። ኣንጭዋ ካብ ጉድጓድ እናረሓቐት ብዝኸደት ቁፅሪ ምሟታ ኢዩ ከምዝበሃል ግብኣተ መሬት ፀላኢ ተቓሪቡ ኢዩ።

<span;>እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ማሕበረሰብ ዓለም ንምልዕዓል ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተፈፂሙ፣ ናይ ትግራይ ህዝቢ ንምምብርካኽ ጥምየት ከም መሳርሒ ኩይናት ተጠቒሙ፣ ኣገዲድካ ምድፋር ንህዝቢ ትግራይ ከም መቕፅዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠቒሙ፣ ወዘተ እናበለ እንትጥቀመሎም ዝነበሩ ዘሰልጭዉ ስብከታት ብዓም ለኸ ገለልተኛ ትካል ብዝተገበረ ስራሕ እቶም ጉዳያት ብ<span;>ኢትዮጵያ መንግስቲ ከምዘይተፈፀሙ ተረጋጊፁ ኣሎ።

<span;>ብናህሪ ዝተበገሰ ማዕበል ህዝቢ ዘርዓዶ ማሽናትን ብሽርክና ዝሰርሑ ሚዲያታትን ጉጅለ ራዕዲ ናይ መወዳእታ ዝበልዎ ናይ ራዕዲ ወረ ኣብ ምውዛዕ ተፀሚዶም ኣለዉ።

<span;>ቁልፊ ዕላመኦም ገይሮም ዝወሰድዎ ድማ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ፣ ህዝብን ናይ ወገን ጦርን ጥርጣረ ንክፍጠር፣ ፍርሓት ንክነግስ ናይ ምርዓድ ኢዩ።

<span;>ኣብ  ኢትዮጵያ ግጭት ንክበኣኣስ ኣዐርዮም ዝሰርሑ  ከም ፌስቡክ ዝበሉ ማህበራዊ ሚዲያታት መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብምስራዝ ሽርክንኦም ኣርእዮም ኣለዉ።

<span;>ከም ሮይተርስ ዝበሉ ድማ ብፀላኢ ዘይተትሓዙ ከባቢታት ከምዝተትሓዙ ብምምሳል ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ይፅብፅቡ ኣለዉ።

<span;>ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ዘለዉ ተለኣኣኽቲ ፀገም ፀፅታ ከምዘሎ ብምምሳል ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዉ ናይ ምግባር ስራሕ ይሰርሑ ኣዉ።

<span;>ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ምጥርጣር ንምፍጣር ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናት ቪዛ እናሓተቱ ኢዮም ብዝብል ስኑዕ ፕሮፖጋንዳ ይነዝሑ ኣለዉ።</span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;>

ካብ ዲፕሎማሲ መርህ ወፃእ  ኤምባሲታት ውሱናት ሃገራት አዲስ አበባ ከምዝተኸበበት ብምምሳልን ዝሓሰብዎ ትልሚ ንክሳኻዕ ኣብ ኤምባሲታት ዝሰርሑ ዜጋታቶም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ የተሓሳስቡ ኣለዉ።

መንግስቲ ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ሀገር ንምፍራስ ዝተፀመዱ ወገናት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ እናተሓሳሰበ ኣብ ጉዳይ ሃገር ቀልዲ ስለ ዘየለ ካብ ተግባሮም ኣብ ልዕሊ ዘይተቖጠቡ ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቑ።

መላእ ህዝብና  ኢትዮጵያ ንይ ምድሓን ንይመወዳእታ ምዕራፍ እንርከብ ምዃና ተገንዚቡ ዝጀመሮ ሃገር ናይ ምድሓን ምንቕናቕ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል፣ ውሕስናና ሓድነትና ምርግጋፅ ምዃኑ ብምርዳእ ብተግባር ኣፍረስቲ ሓይሊ ከይተደናገረ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ናይ ኢትዮጵያውያንን ናይ ፈተውቲ ሀገራት ሚዲያታትን ንሕብረተሰብና ትኽክለኛ ሓበሬታ ብእዋኑን ብግቡእን ጊዘ ንክተቕርቡ መንግስቲ ይሓትት።

ብጊዜያዊ ዓወታት ምስርሳር ዝጀመሩ ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት ብዘይናጋዕ ዘላለማዊ ዓወት ብምምዝጋብ  ወርቃዊ ታሪክ ምፅሓፍ ዘና ሐዚ ኢዩ ሞ ኩልና ብሓድነት ደው ንበል።

ካብ ውሽጢ ይኹን ግዳም ምስ ታሪካዊ ፀላእትና ዝተተለመልናን ዘንፀላለወናን ድግስ ብናይ ሓባር ቅልፅም ክንዋፅኦ ኢና።

ንሕና ኢትዮጵያውያን ንሉኣላዊነትና፣ ሓድነትናን ማንነትናን ሞት ክብርና ኢዩ! ካብ መሥዋዕትነት ወፃእ ኢትዮጵያዊነት የለን!!

ኢትዮጵያ ትስዕር

አገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.