Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብቫይረስ ኮሮና ከይጥቅዑ ክትትል እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ቻይና ዝመሃሩ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ብዝተርኣየ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ከይጥቅዑ ክትትል እናገበረ ምዃኑ ኤምባ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ከምዝገለፆ፥ እቶም ተምሃሮ በቲ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ከይጥቅዑ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኢዩ።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ፥ ኣብ ዩኒቨርሲታት ቻይና ዝመሃሩ ኢትዮጵያውያን ምስቲ ቫይረስ ተተሓሒዙ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ከምዘይገጠሞም እውን ቤትፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ንመጀመርታ ግዘ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተርኣየላ ከተማ ዉሃን ልዕሊ 300 ኢትዮጵያውያን ትምህርቶም እናተኸታተሉ እንትኾኑ፥ ምስቲ ቫይረስ ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ፀገም ከምዘየለን ግቡእ ጥንቃቐ ንኽገብሩ እቲ ኤምባሲ እናሰርሐ ከምዝኾነን ተገሊፁ።

የኮሮና ቫይረስ ስርጭት ከቻይና ውጭ በተለያዩ ሃገራት እንደተከሰተ መረጋገጡን ከጽህፈት ቤቱ ያገኘነው መረጃ ያመላክታል።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.