Fana: At a Speed of Life!

ምስ ህወሓትን ሸኔን ርክብ ዝነበሮም 98 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ምስ ግብረ ራዕዲ ምስ ህወሓትን ሸኔን ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም 98 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል አብዱልአዚም መሐመድ ከምዝበልዎ፥ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቅድሚ መውፅኡ ናይቲ ክልል ፖሊስ ዝተጠናኸረ ሰራሕቲ ክትትል እንተካይድ ፀኒሑ ኢዩ።

እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ርክብ ከምዝነበሮም ፖሊስ ብመሰረት ዝበፅሖ ሓበሬታ 21 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተገበረ ወፍሪ ኢዩ ኢሎም።

 

ኣብ ቁፅፀር ዝወዓሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ንምድጋም ብሕቡእ ይዳለዉ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ነዚ ድማ ላፕቶፕ፣ ኮምፒዩተርን ካልኦት ናውቲታትን በምሓዝ ኣብ ለዕሊ ነበርቲ ራዕዲ ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ፈጠራ ወረ ዝሓዙ ተንቀሳቓሲ ምስሊታት እነተዳልዉ ከመዝተረኸቡ ተገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.