Fana: At a Speed of Life!

ዘመን ተሳጋሪ ዓወት ክነመዝግብ ኢና – ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዘመን ተሳጋሪ ዓወት ክነመዝግብ ኢና ክብል ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ገሊፁ።

እቲ ክልለ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥  ሃገርና ካብ ወራሪ ንምድሓን ዝኽፈል መስዋእቲ ብምኽፋል ዘበን ተሳጋሪ ዓወት ክነመዘግብ ኢና ኢሉ።

ሃገርና ኢትዮጵያ በቢዘበኑ ዘጋጠምዋ ተደጋገምቲ ወረራታት ብብርቱዓት ደቃ ብምምካት ክብራን ሓድነታን ብምሕላው ንዘበናት ፀኒሓ ኢያ ክብል እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ሓድነታ ንምብታንን ክብራ ንምድፋርን ዝህደዱ ናይ ወፃኢ ወረርቲ ምስ ውሑዳት ብረብሓ ዝዓወሩ ባንዳታት ብምምሽጣር ዝገበርዎም ፈተነታት ወረራ፥ ካብ ናይ ባዕልቶም ህይወት ንላዕሊ ንሃገሮም ክብሪን ንወገኖም ሓድነትን ዝጭነቑ ደቃ ብዝገብርዎ ተጋድሎ ንመላእ ዓለም ፀለምቲ ህዝብታት ተምሳሌት ነፃነት ዝኾነን ነትውልዲ ዘኹርዕን ድሙቕ ታሪክ ከምዘመዝገበት ሓቢሩ እቲ መግለፂ።

እቶም ከሓድቲ ባንዳታት ሐዚ አውን ሓድነት ሃገርና ንምብታንን ክብራ ንምድፋርን ካብ ምፍታን ንድሕሪት ከምዘይበሉ ኣብሪሁ።

ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሓይሊታት ወፃኢን ናይ ውሽጢ ተለኣኣኽቲን ብምትሕበባር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ኣነዋሪ መጥቃዕቲ ብምስንዛር ፈፂሙ ዘይርሳዕ፣ ታሪክን ትውልዲን ይቕረ ዘይብልሉ ክሕደት ሃገር ከምዝፈፀመ ገሊፁ።

እቲ ከሓዲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሙን፣ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ክሕደትን ከይኣክል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወረራ ብምፍፃም ብዙሓት ንፁሃን ብግፍዒ ቀቲሉ፣ ካብ መረበቶም ኣፈናቒሉን ንብረቶም ወሪሩን ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ተግባር እቲ ጉጅለ ብግልፂ ካብ ምቅዋም ብተወሳኺ ኣብቲ ክልለ ዝንቀሳቐሱ ተለኣኣኽቲ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ምፍላምን ኣብ ጎኒ ሰራዊት መክልኻል ሃገር በምስላፍን ዘኹርዕ ተግባር ይፍፅም ኣሎ ኢሉ።

እዚ ብዓወት ንክዛዘም ዝግበር ድጋፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምርግጋፅ፥ ዘመን ተሳጋሪ ዓወት ክነመዝግብ ኢና ክብል ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣረጋጊፁ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.