Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክል ሃረሪ ጦር መሳርሒ ዘለዎ ውልቀሰብ ንኸመዝግብ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክል ሃረሪ ጦር መሳርሒ ዘለዎ ውልቀሰብ ብምምዝጋብ ንባዕሉን ከባቢኡን ክሕሉ ፃውዒት ቀሪቡ።

ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳር ፀፅታን ሰላምን ኣይተ ጥላሁን ዋደራ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም፡፡

እቶም ሓላፊ ኣብ መግለፂኦም፥ ህዝቢ ከባቢኡ ብንቕሓት ብምሕላው ሓይሊ ጁንታ ሃገር ንምፍራስ ዝሓዞ ሕልሚ ከፍሽል ይግባእ ኢሎም።

እዚ ንምግባር ድማ ኣብቲ ክል ሰላምን ፀፅታን ውዳበታት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ኣሰራርሓታት ብዝሓሸ መገዲ ንኽሰርሑ ከምዝግበር እውን ገሊፆም።

ኣብ ዓበይቲ ትካላትን ዝግበር ሓለዋ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥እዚ ንምዕዋት ቀዋሚን ሃንደበታዊን ፍተሻ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተጠናኺሩ ከምዝካየድ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃረር ዝርከቡ መካረይቲ ተኻረይቶም ሙሉእ ሓበሬታ ካብ ምሓዝ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢኦም ፀጉረ ልዉጣት እንትዕዘቡ ንሓይሊታት ፀፅታ ክሕብሩ ፀዊዖም።

መናእሰይ እቲ ክል ተወዲቦም ከባቢኦም ክሕልዉን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንኽፅምበርን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.