Fana: At a Speed of Life!

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ኣይንርስዖን-ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ ጨፍጫፍን ክሕደትን ፈፂምና ኣይንርስዖን ክብል ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ገሊፁ።

ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፅሖ ጨፍጫፍ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ቦታ ይኹን ካልእ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝኾነ ኣይንርስዖን፤ ብፍፁም! ኢሉ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኮነ ኢሉ ብዝሓንፀፆ ናይ ጥፍኣት ሽርሒ፣ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ፈርቂ ለይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀላኢ እንትሕሉ ዝነበረ፣ ንዝተፀገሙ ተጋሩ ብገንዘብ፣ ጉልበት እንትሕግዝ ዝነበረ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ጣቢያ ጥዕናን መገዲን ዘይብሎም መንደራት፣ ብገንዘቡ ጉንበቱ ሰሪሑ ኣስሪሑ፣ ህፃናት ትግራይ ንክመሃሩ፣ ዝሓመሙ ኣብ ቀረበኦም ነክሕከሙን መንደራት ንክራኸቡን እንትገብር ከምዝነበረ ገሊፁ።

ሽማግለታትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ሓረስቶት ፍሪያቶም ብኣንበጣ ንከይብላዕ ለይቲን ቀትሪን እንትደክም ዝነበረ፣ ዝተዋለደ፣ ዝተዛመደ፣ ፅኑዕ መሰረት ዝነበሮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን፣ ምስ ህዝቢ ትግራይ እንትፋለምን እንትደክምን ውዒሉ፣ “ሃገር ኣማን” ኢሉ ኣብ ዝደቀሰሉ፣ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተፈፀመሉ ኣሰቃቒ ክሕደት ዝተመልኦ ናይ ገፍዒ ስቓይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ቦታ ብዝኾነ ይኹን ኩለታት እንተኾነ እውን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣይንርስዓን ኢሉ እቲ መግለፂ።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝተደፈረሉ፣ ተጋሩ ብዘይውክል ናይ ለያቡን ከሓድቲን እኩብ በዝፈፀሞን ብዘፈፀሞን ኣሰቃቒ ተግባር ናይ ንፁሃን ተጋሩ ብኢትዮጵያውያን ንክጥርጠሩ ዝገበረት ፀላም ዕለት ኢያ።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንፁሃን ተጋሩ ንፀገም ክቃልዑ፣ ኢትዮጵያውያን ክቡር ህይወቶምን ዋጋ ክኸፈሉ ዝገበረት፣ ሉእላውነት ሃገር ዘድፈረት መዓልቲ ከምዝኾነት እውን ኣብሪሁ።

“ዝሓለፈ ጌጋና ዘይደግም ኣመራርሓ ኮነ ህዝቢ መስተውዓሊ ኢዩ!” ሐዚ እውን ፀላኢ ኢትዮጵያ፣ ናይ ምእተ ዓመት ሸኽሚ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢዩ ኢሉ።

ስለዚ እቲ “ሃገር ንምፍራስ ሲኦል እውን እንተኾነ ክኣቲ ኢየ” ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ከም ዕቁብ ዕርቡን ኣትሒዙ ብንፁሃን ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ብሓው ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ዘብፅሖ ዘሎ ሞት ደቂ ሰባት፣ መቕተልቲ እንስሳት፣ ምብራስ ደን ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ብቐዳምነት ተጋሩ ክንኩንኖ፣ ክንቃወሞ፣ ክነውግዞ ይግባእ ኢሉ።

“ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣበ ዝተፈላለዩ ክልላት ዘለኹም ተጋሩ ካብ ስኑዕ ሙዉት ፕሮፓጋንዳ  ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሕልምን ርሒቕኩም ኣብ ጎኒ መንግስቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኢትዮጵያ ክትስለፉን ኢትዮጵያውነትኩም ክተመስክሩን ፃውዒትና ነቕርብ” ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኢትዮጵያ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ደቃ ክትስዕር ኢያ!!

ክብሪ ንኢትዮጵያ ከብሉ ንዝተሰውኡ ወገናትና!!

 

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.