Fana: At a Speed of Life!

ክብሪ ንኢትዮጵያ ክብሉ ንዝተሰውኡ ጀጋኑና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ርሑቕ እንተተረሰዐ እኳ ዓሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈፀመ ግፍዒ ታሪኽ ፈፂሙ ዝርስዕ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ናይ ጀጋኑ ሃገር ኢያ፤ ነባማት ደቃ ሓፁር ኮይኖም ዝጋረዱዋ፣ ዋጋ ኸፊሎም ዘድመቑዋ፣ ተፈጥሮ ብዘይዳእ መስዋእትነት ተሓፊራን ተኸቢራን ዝነበረት ሃገር ኢያ ኢሎም።

የሩቁ ቢዘነጋን እንኳን፣ አምና ጥቅምት 24 ግፍ የተፈጸመባቸው ጀግኖቻችን ታሪክ ፈጽሞ የሚረሳ አይደለም

ናይ ርሑቕ እንተተረሰዐ እኳኳ ዓሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈፀመ ግፍዒ ታሪኽ ፈፂሙ ከምዘይርሰዖ ገሊፆም።

“ሕድሕድና ናይቶም ጀጋኑ ዕዳ ኣለና፤ ሎሚ ደው ክንብል ዝኸኣልና ንዓና ክብሉ ጀጋኑና ብዝመዓጉዎ ናይ ግፍዒ ፅዋዕ ኢዩ፤ እቶም ብርቂታት ኢትዮጵያውያን “ቅድሚ ወገነይ ክቕድም” ኢሎም ደሞም ንሓመድ፣ ስገኦም ንኣሞራ እንተዘይህቡ ሎሚ መዓልቲ ሎሚ ኣይምመሰለን ነይሩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተወደበ ካብ ሓደ ከባቢ ኣይነበረን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ሲዳማን ወላይታን፣ ዓፋርን ጋምቤላን፣ ጉራጌን ሃዲያን ካብ ኩሉ ብሄር ተውፃእፂኡ ሃገር ክሕሉ ዝተወደበ ሰራዊት ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡

ሃገረይ ኢሉ ን20 ዓማውቲ ካብ ገዝኡን ካብ ዝዓበየሉ ከባቢን ተፈሊዩ ኣብ ዱር እናሓደረ እናሓለወ ዝነበረ እቲ ሰራዊት፥ ንክልል ትግራይን ህዝቢን ካብ ለዋህነት ወፃኢ ክፉእ ኮይኑዎ ኣይፈልጥን ኢሎም።

ፀላኢ እንትመፅእ ዝምክት፣ ኣዝመራ እንትበፅሕ ዝዓፅድ፣ ኣብ ማሕበራዊ ተግባራት ዝካፈል ከምዝነበረ እውን ኣገንዚቦም።

ብደሙን ረሃፁን ንዝኸፈሎ ለዋህነት ብምላሹ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተቐበሎ ክሕደት ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ ንምውራር ዝመፅኡ ፀላእቲ ከምቲ ግብረ ራዕዲ ቀንዲ ጦር ቤዝና ብምድብዳብ ኣይጀመሩን፤ ዋና ዋና መኮንናት ብምቕታልን ከበድቲ መሳርሒታት ዘሪፎም ኣይተለዓሉን፤ ቅዱስ ኲናት ኣየሃሉ እምበር ጭካነ ግን መጠን ኣለዎ፤ ብመጠን እቲ ግብረ ራዕዲ ግን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጨከነ የለን” ክብሉ ገሊፆም።

ደም ኣሕዋቱ ብኸንቱ ምፍሰሳሱ ዘናደዶ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብቕልጡፍ ንባዕሉ ኣዋዲዱ ኣብ ውሽጢ ሰለስ ሰሙን እቲ ግብረ ራዕዲ ዘዋደዶ ሓይሊ ናብ በረኻ ክብተን ክገብር ከምዝኸኣለ ገሊፆም፡፡

ዋና ኣመራርሓታት እቲ ግብረ ራዕዲ መብዛሕተኦም ሒዙ ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ ኢዩ ዝበሌ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ዝተፈፀመሉ ክሕደት ብሒሳብ ሕነ ምፍዳይ ዘይኮነስ መምርሒ ሕጊ ምኽባር ብዝተኸተለ መገዲ እናሰርሐ ከምዝነበረ ኣብሪሆም፡፡

“ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንሃገርን ንወገንን ዘለዎ ወገናዊነት ብዘረባ እንተይኮነስ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ፤ ሕዚ እውን ኣብ ዱርን ገደልን እናተዋደቐ ይርከብ” ኢሎም፡፡

እቲ ግብረ ራዕዲ ዝተውሃቦ ናይ ፅምዋ እዋን ከም ዕድል ምጥቃም ገዲፉ ከም ዓወት ወሲዱ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዝነበር ወገናት ግፍዒ እናፈፀመ ምዃኑ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ጉጅለ ጥፍኣት ሸኔ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ወለጋ ከባቢ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት እናብፀሐ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዕረፍቲ እናኸልአ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካልኦት ሓይሊታት ጥፍኣት እውን ካብ ውሽጢን ወፃኢን ወኪላቶም ኣተሓባቢሮም ብሙሉእ ዓቕሞም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ምዝማቶም ቀፂሎምሉ ኢሎም፡፡

እዚ ንምምካት ሰራዊት ምክልኻል በይኑ ተጋፊጡ ዓወት ከምፅእ ስለዘይኽእል ፀላእቲ ተሓባቢሮም ዘንፀላለዉዎ ሓደጋ ተሓባቢርካ ብምምካት ናብ ዓወት ምብቃዕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብግፍዒ ዝተሰውኡ ኣባላት እዚ ሰሜን ሓዊሱ ንሃገር ዝተዋደቑ ጀጋኑ ሽሞም ብወርቂ ቀለም ክፀሓፍ ኢዩ፤ ክብሪ ንኽብሪ ኢትዮጵያ ክብሉ ንዝተሰውኡ ጀጋኑ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.