Fana: At a Speed of Life!

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 5/2014

ኣብ ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነትን ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መንግስቲ ህልውና ሃገር፣ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ካብ ውሽጢ ይኹ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ናይ ምሕላው ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ሓላፍነትን ግቡእ ከምዘለዎ ብምግንዛብ፤ ምንቅስቓስ ግበረ ራዕዲ ህወሓትን ራዕዳውያን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነትን ርኡይን ዝበፅሐን ሓደጋ ዘንፀላለወ ብምዃኑ፤

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ራዕዳውያን ተሓባበርቱን እኩይ ዕላመኦም ንምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናፈፀሙዎ ዝርከቡ መቕተልቲን ዘረፋን ካልኦት እውን ልዑል ጭካነ ዝተመልኦ ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ደረጃ ምብፅሑ ኣብ ግምት ብምእታው፤

ካብ ቀጥተኛን ስሩዕን ዓውደ ውግእ ብተወሳኺ ልኡኽቶ ግብረ ራዕዲ ህወሓትንተሓባበርቱን ዝተሓንገጡ ውልቀ ሰባት ምስ ሰላማዊ ዜጋታት ተመሳሲሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ዘንፀላለዉዎ ልዑልን ጭቡጥን ስግኣት ድሕንነት ብምርዳእ፤ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ናይ ምድኻም ኢሉ እውን ናይ ምፍራስ ትምኒት ምስ ዘለዎም ሓይሊታት ወፃኢ ብልዑል ብርኪ ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፤

ቅድም ክብል ዝተገለፁ ኣብ ህልውና ሃገር ዘንፀላለዉ ሓደጋታት ንምፅዋር ዘይከኣል ብምዃኑ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምድንጋግን ተግባራዊ ምግባርን እቲ ሓደጋ ንምምካት ኣድላዪ ኮይኑ ብምርካቡ፤ ኣብ ሕገ-መነግስቲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 93/1/ሀ መሰረት ብምግባር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተኣዊጁ ኣሎ።

ቀዳማይ ክፋል

ሓፈሻዊ

1. ሓፂር ርእሲ

እዚ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ “ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነትን” ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወፅአ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 5/2014 ተባሂሉ ክፅራሕ ይኽእል።

2. ትርጉም

ነዚ ኣዋጅ ኣፈፃፅማ እንትበሃል፣

1. “ኣካል መኽበሪ ሕጊ” ማለት ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ፖሊስ ክልላትን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ማለት ኢዩ።

2. “መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን” ማለት ኣፈፃፅማ እዚ ኣዋጅ ንምክትታልን ብላዕለዋይነት ንምምራሕ ኣብቲ ኣዋጅ ዓንቀፅ 7 መሰረት ዝተጣየሸ እዚ መምርሒ ህፁፅ እዋን ኢዩ።

3. “ጦር መሳርሒ” ማለት ብኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ጦር መሳርሒታት ኣዋጅ ቁፅሪ 1177/2012 ትርጉም ዝተውሃቦም ትሑት፣ ቀሊልን ካልኦት ዓይነታት ጦር መሳርሒታትን ጉድኣት ዘብፅሑ ኣቕሑት ዘጠቓልል ኢዩ።

4. “ሰው” ማለት ናይ ተፈጥሮ ሰው ወይ እውን ብሕጊ መሰል ሰብነት ዝተውሃቦ ኣካል ማለት ኢዩ።

5. ኣብዚ ኣዋጅ ብተባዕታይ ኣዘራርባ ዝተገለፀ ንደቂ ኣንስትዮ እውን የሓውስ ኢዩ።

3. ወሰን ተፈፃሚነት

1.እዚ ኣዋጅ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተፈፃሚ ዝኸውን ኢዩ።

2. ኣብዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ 1 ዝተደንገገ ከምዘሎ ኮይኑ መጠን እቲ ሓደጋን ኣድማስን እናነከየ ኣብ ዝመፅአሉ እዋን ወሰን ተፈፃሚነት እቲ ኣዋጅ ብኡ ልክዕ እናፀበበ ክኸይድ ዝኽእል እንትኸውን፥ ተፈፃምነት እቲ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብኽፋል እውን ይኹ ብሙሉእ ቀሪ ዝኾነሎም ከባቢታት ብመምርሒ ዝውሰን ኢዩ፤ እዚ ድማ ንህዝቢ ከፍልጥ ኢዩ።

ክፍሊ ክልተ
ኣብ ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዘይፍቀዱ ተግባራትን

4. ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታት

መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ህልውና ሃገርን ልአላነተነ ከምኡውን ደሕንነት ሰለማዊ ዜጋታት ነመሕላው ኣደላዪ ኢዩ ኢሉ እንትኣምን ፥

1. ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፍሊ አዛ ሃገር መከላከያ ወይ ካሊእ ኣካል ፀፅታ ብምውፋር ሰላምን ፀፅታን ነከኸብሩ ትእዛዝ ክህብ ይእኽእል አዩ።

2. ዕድመኦም ንወታደርነት ዝበቕዑን መሳሪያ ዝተዓጠቑን ዜጋታት ወታደራዊ ስልጠና ንክወስዱ፣ ወታደራዊ ግዴታ ንክቕበሉ፣ ወይ እዚ ምግባር ዘይኽእሉ እንትኾኑ ብኣማራፂ ዕጥቆም ንመንግስቲ ንከረክቡ ክተሓዝ ይኽእል
3. ናይ ሰዓት ሕላፍ ገደብ ክውሰን ይኽእል፤

4. ዝኾነ ይኹን መጓዓዚያ መንግስቲን ውልቀን ስርዓት ንክዕፆ ወይ ክቀዓረፅ ክተሓዝ ይኽእል

5. ምስቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ክተሓባበር ይኽእል ኢዩ ኢሉ ምኽኒያታዊ ብዝኸነ መገዲ ዝተጠርጠረ ዝኾነ ሰብ ብዘይ ትዕዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል እዚ ኣዋጅ ተፈፃሚ ኮይኑ ኣብዘለወሉ ጊዘ ሒዙ ምፅናሕ ወይ ብስሩዕ ሕጊ ተሓታቲ ንክኸውን ንምግባር ይኽእል
6. ምስቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ክተሓባበር ይኽእል ኢዩ ኢሉ ምኽኒያታዊ ብዝኸነ መገዲ ዝተጠርጠረ ዝኾነ ሰብ ወይም ትካል ንብረት ዝኾነ ዝኾነ ገዛ፣ ህንፃ፣ ቦታ፣ መጓዓዚያ ንምፍታሽ ወይ ሰብ ደው ንምባል ፣ ማንነቱ ንምሕታት፣ ንምፍታሽ ይኽእል፤ ብፍተሻ ዝተትሓዘ ናይ ጦር መሳሪያምውራስ ይኽእል፤

7. ንዝተወሰነ ጊዜ መገዲታት፣ አገልግሎት መውሃቢ ትካላት ንምዝርጋሕ፣ ሰባት ንግዚኡ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ንክፀንሑ፣ ናብ ዝተወሰነ ከባቢ ንክኣትዉ ወይ ካብ ዝተወሰነ ቦታ ንክልቀቑ ምእዛዝ ይኽእል፤

8. ልዑል ፀገም ፀጥታን ስጋትን ኣብ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት እዛ ሃገር ናይቲ ከባቢ አመራርሓ መዋቅር ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ፣ ምእጋድ፣ ምልዋጥን ብሲቪል ይኹን ወታደራዊ አመራርሓ ምትካእ ይኽእል፤

9. ብቀጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ነቶም ሽብር ጉጅለታት ናይ ሞራል ይኹን ናውቲ ድጋፍ ይገብር ኢዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ምንቅስቓስ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ብዝምልከቶ በዓልስልጣን ንክእገድ ወይ ፍቓዱ ንክስረዝ ክተሓዝ ይኽእል ኢዩ

10.ብቀጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ነቶም ሽብር ጉጅለታት ናይ ሞራል ይኹን ናውቲ ድጋፍ ይገብር ኢዩ ተባሂሉ ዝአምኑ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ወይ ጋዜጠኛ ብዝምልከቶ በዓል ስልጣን ንክእገድ ወይ ፍቓዱ ንክስረዝ ክተሓዝ ይኽእል ኢዩ

ተመጣጣኒ ሓይሊ ብዛዕባ ምጥቃምን ዘይእገዱ መሰላትን

1. እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ኣብዚ ኣዋጅ ዝተረቑሑ ስጉምቲታት ንምፍፃም ኣድላዪ ኮይኑ እንትረኽቦ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ተመጣጣኒ ሓይሊ ንክጥቀም መምርሒ ክህብ ይኽእል ኢዩ

2.እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ኣብ ዘውፀኦም መምርሒታት፣ ኣብ ዝውስኖም ውሳነታትን ኣብ ዝወስዶም ስጉምቲታትን ብመሰረት ዓንቀፅ እቲ ሕገ መንግስቲ፥ 93(4)(ሐ) ክእገዱ ዘይኽእሉናይቲ ሕገ መንግስቲ ድንጋገታትን መሰላትን ከኽብር ኣለዎ።

ዝተኸልከሉ ተግባራትን ግዴታታትን

1. ኩሉ ሰብ እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብምሰረት ኣዋጅ ዘውፅኦም መምርሒታትን ዝህቦም ትእዛዛትን ናይ ምቕባል ግዴታ ኣለዎ።

2.እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ምንቅስቓስን ዕላማን ዝፃባእ፣ ዝቃወምን ዕላማ እቶም ኣሸበርቲ ጉጅለታት ንምስኻዕ ኣስተዋፅኦ ዝገብርን፣ ዘተባብዕ፣ ሰለማዊ ዜጋታት ዘርዕድ ዘረባ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምግባር ወይ ምውዛዕ ዝተኸልከለ ኢዩ።
3. ዝኾነ ይኹን መገዲ፣ ብቀጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ነቶም ሽብር ቡድናት
ናይ ገንዝብ፣ መረዳእታ፣ ናውቲ ይኹን ሞራል ድጋፍ ምግባር ዝተኸልከለ ኢዩ።
4. እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብተዋረድ ውክልና ካብ ዝሃቦም ኣካላት ፍቓድ ወፃእ ዝኾነ ናይ ኣደባባይ ኣኼባ ወይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ዝተኸልከለ ኢዩ።

5. ካብ መከላከያ፣ ፌዴራል ፖሊስ ወይ ካልኦት ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ናይ ፀጥታ አካላት ወይ ካብዚኦም ኣፍልጠን ፍቓድን ወፃእ ዝኾነ ናይ ጦር መሳርያ ብምሓዝ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኢዩ።

6.ኣብ ከተማታት ከባቢ ናይ ነባርነት ታሴራ፣ መንጃ ፍቓድ፣ ናይ ሰራተኛ
መታወቂያ፣ ፓስርፖርት ወይ ምስ እዚኦም ተመጣጣኒ ዝኾነ መታወቂያ እንተይሓዝካ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኢዩ።

እዚኦም ዘይብሉ ሰብ፥ እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ዝርዝር መምርሒ ኣፈቫፅማ ካብ ዘውፅአ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ቀረብኡ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቀበሌ፣ ወረዳ፣ ፀጥታን ምምሕዳርን ወይ ፖሊስ ጣቢያ ብምምዝጋብ ጊዜያዊ ናይ መታወቂያ ወረቐት ምሓዝ ግዴታ ኣለዎ።

7. ዝኾነ ወሳኒ ዝኾነ ናይ አገልግሎት ዓውዲ ይኹን ፍሪያት ኣብ ከይዲ ናይ ስራሕ ምትእጉጓል ወይ ናይ ኢኮኖሚ ኣሻጥር ምፍፃም ዝተኸልከለ ኢዩ።

8. ኣፃፅማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ሰበብ ብምግባር ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃም፣ ምኽኒያታዊ ዘይኮነ ጥእጣረ ዘይብሉ ኾነ ተባሂሉ ዜጋታት ምእሳር ወይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝተኸልከለ ኢዩ።

ክፍሊ ሰለስተ

ብዛዕባ እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ናይ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ መምርሒ እዝ ምጥያሽን ሓላፍነትን

1.ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ  ብጠቅላይ ኢታማገዥር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ዝምራሕ እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ተጣይሹ።

2. መዋቅርን ኣወዳድባን እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝውሰን ይኸውን

3.እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ  ኣግባብነት ካብ ዘለዎም ኣካላት ዝተውፃእፅኡን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሓላፍነት ብምውሳድ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዘ ተፈፃሚ ዝገብሩን ግብረ ሓይሊታት ወይ ኮሚቴታት ከጣይሹ ይኽእሉ ኢዮም።

4.እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ተፀዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፈዴሪኢ ይኸውን።

5. እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ በዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 4 ዝተረቑሑ ስጉምቲታት ፈፃምነት ይመርሕ፤ ይከታተል።

6. እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ኣብዛ ሃግር ዝርከቡ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ገይሩ ብላዕለዋይነት የተሓባብር፣ ይመርሕ፣ ይእዝዝ።

7. ሓላፍነቱ ንምውፃእ እኦት ኣድለይቲን ኣግባብነት ዘዎምን ስልጣናት ይህልውዎ።

ክፍሊ ኣርባዕተ

ፍሉያት ድንጋገታት

8. ተፈፃሚነቶም ዝተኣገዱ ሕግታት

1. በዚ ኣዋጅ በብዝተሸፈኑ  ጉዳያት ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ክሳብ ዝዛዘም ዝኾነ ይኹን ናይ ዳይነት ኣካል ስልጣን ኣይህልዎን።

2. ብቪዬና ኮንቬንሽን ዝተቐመጠ ናይ ዲፕሎማቲክ መሰል ከምዘለዎ ኮይኑ ምስዚ ኣዋጅ ዝፃባኡ ናይ ፍረ ነገርን ስነ ስርዓትን ሕጊታት እዚ ኣዋጅ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝውዐዕለሉ ተፈፃምነቶም ተኣጊዱ ይፀንሕ።

9. ናይ ገበን ተሓታትነት

1. ናይዚ ኣዋጅ ድንጋገታትን በዚ ኣዋጁ መሰረት ዝወፅኡ መምርሒታትን ብምትሕልላፍ ዝተረኸበ ሰብ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበፅሕ ቀሊል እስራት ወይ ከም ክብደት እቲ ጥፍኣት ክሳብ 10 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ እስራት ይቕፃዕ።

2. ናይዚ አዋጅ ድንጋገታትን በዚ ኣዋጁ መሰረትዝወፅኡ መምርሒታትን ብምትሐዕልላፍ ዝተፈፀመ ገበን ብኻልኦት ሕግታት ካብዚ ልዕል ዝበለ ቅፅዓት ዘስዕበ እንተኾይኑ ዝኸበደ መቕፃዕቲ ተፈፃሚ ይኸውን።

3. ኣብ እዋን ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ዝተፈፀሙ ናይ ኣዋጅን በቲ ኣውጁ ማዕቐፍ ዝወፅኡ መምርሒታትን ብምጥሓስ ናይቲ ኣዋጅ ተፈጻሚነት ጊዜ እንተተዛዘመ እውን፣ ዘስዕብዎ ናይ ገበን ተሓታትነት ብስሩዕ ስነ ስርዓት ገበን ይቕፅል።

10. መመርሒ ናይ ምውፃእ ስልጣን

1. እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ በቲ ኣዋጅ ዝተውሃቦ ስልጣን ተግባራዊ ንምግባርን ሓላፍነቱ ንምውፃእን ኣድኣዪ መምርሒታት የውፅእ።

2. በዚ ዓንቀጽ ንኡስ ዓንቀጽ 2 መሰረት ዝወፅኡ መምርሒታት  ተፈፃሚ ቅድሚ ምዃኖም ንህዝቢ ብስፍሓት ተበፃሒ ብዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህዝቢ ንክፋለጡ ክግበሩ ኣለዎም።

11. እዚ ኣዋጅ ዝፀንዓሉ እዋን

1. እዚ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብሚኒስትራት ምክር ቤት ካብ ዝእወጀሉ ጊዘ ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ይኸውን።

2.ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገደቡ ቅድሚ ምዝዛሙ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይቲ ኣዋጅ ተፈፃምነት ደው ዝብለሉ እዋን ክውስን ይኽእል ኢዩ።
ኣዲስ ኣበባ 23 ጥቅምቲ  2014 ዓ/ም

ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ቀዳማይ ሚኒስትር  ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.