Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኣብ ትኅክለኛ እዋን እናተሃነፀ ዝርከብ ግድብ ኢዩ – ሙሁራን ዩጋንዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያኣብ ትኅክለኛ እዋን እናተሃነፀ ዝርከብ ግድብን ሕብረት ኣፍሪካ እውን ትኽክለኛ መድረኽ እቲ ድርድር ከምዝኾነ ሙሁራን ዩጋንዳ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ዩጋንዳ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ተማመርቲን ኣፅናዕቲን፥ ሩባ ኣባይ ብዙሓት ሃገራት ዝካፈለኦን ከም ህዝቢ እውን ዘተኣሳስሮም ዝዓበየ ሩባ ኣህጉር ኣፍሪካ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሩባ እናሃነፀቶ ትርከብ ግድብ እናዛዘመት እንትከውን፥ እቲ ግድብ 6 ሺሕ ሜጋ ዋት ብምፍልፋል ኣብቲ ዞባ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኽባፃሕ እናሰርሐት ከምትርከብ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዝተፈላለዩ ሙዉራን ፅሑፋት ኣቕሪቦም ብመርበብ ሓበሬታ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ ኣለም ፀሃይ መሰረት፥ እቲ መድረኽ ንዘሰናድአ ቤት ምኽሪ ርክባት ወፃኢ ዩጋንዳ ኣመስጊነን።

ኣፍሪካውያን ሓቁ ብምርዳእ ሰለስቲአን ሃገራት ንኹሉ ብዝጠቅም መልክዑ ኣብ ውፅኢት ንኽበፅሓ ሓገዝ ክገብሩ ኣለዎም ከምዝተብሃለ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.