Fana: At a Speed of Life!

ኩሉ ሕብረተሰብ ጁንታ ንምቕባር ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ንኽዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዕላማ ኲናት ጁንታዉ ኢትዮጵያ ንምፋረስን ህዝቢ ናብ ባርነት ምእታውን ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብ ጁንታ ንምቕባር ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ንኽዋፃእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምበቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ጋምቤላን ከተማ ጋምቤላን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ሎሚ መዓልቲ ልዝብ ኣካይዶም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኡመድ ኡጁሉ ከምዝበሉዎ፥ ሕዚ ንርከበሉ ነባራዊ ሓቂ ህዝቢታት ብመንነቶም ፈሊዩ ንምጥፋእ ተሊሙ ዝተበገሰን ሃገር ንምብትታን ቆሪፁ ዝተልዓለ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ እናተቃለስና ንርከበሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ሓሲቡን ተሊሙን ዝተበገሰ ሓይሊ ምስዓር ዝከኣል ድማ ከም ህዝቢ ሓደ ኮይንካ ጠጠው ብምባልን ብምምካትን ጥራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

“ሕዚ ዘጋጠመና ፀገም ንምስጋር ይኹን ናይ ፅባሕ ብምሕሳብ ሓይሊ ፀፅታና ብምጥንኻር ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ ዝግበኦ ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ይግበኦ” ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ፀላኢ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እዚ ድማ ህዝቢ ክርደኦ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ዋና ተፀዋዒ መንግስቲን እቲ ክልል ኣይ ላክዴር ላክባክ ብግደኦም፥ ዕላማ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኢትዮጵያ ምፍራስ ከምዝኾነ ምግንዛብን ምቅላስን የድሊ ኢሎም።

ፀላኢ ናይ መወዳእታ ዕድሉ እናተጠቐመ ዝርከበሉ ሰዓት ብምዃኑ ብሓሳት ካብ ዝጋውሑ ወረታት ማሕበራዊ ሚዲያ ንባዕልኻ ብምሕላው ኩሉ ኣብ ሕልውና ዝመፅአ ሓደጋ ንምምካት ንባዕሉ ከዳሉ ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም።

ሓደ ሓደ ኣመራርሓታት ብዘሃቡዎ ርኢቶ፥ ከም ሃገር ዘጋጠሙ ፀገማት ንምሕላፍ ብሓድነትን ብሙሉእ ዓቕሚን ምርብራብ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ንህዝቢ ብዘሳተፈ መልክዑ ልኡኻት እቲ ግብረ ራዕዲ ብዝተወደበ መገዲ ብምቅላዕ ሰላም ከባቢ ምሕላው ከምኡ እውን እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.