Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኦስማን ዲዮንን መሳርሕቶምን ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓታት ንምምሕያሽን ህይወት ነበርቲ ከተማ ንምልዋጥን እናተኻየደ ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ብምሕጋዝ ባንኪ ዓለም እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ኣመስጊነን፡፡

መንግስቲ ብሓገዝ እቲ ባንኪ ዝሳለጡ ውሕስና ምግቢ ከተማታት ከምኡ እውን ከተማታት ንነበርተን ምቹዋት ክኾና ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ብልዑል ቆራፅነት እናካየደ ከምዝኾነ ገሊፀናሎም፡፡

እተን ሚኒስትር ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሚኒስቴር ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ብምሕንፃፅ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ተዛሪበን፡፡

እቶም ዳይሬክተር ብግደኦም፥ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ብምንኣድ ኣብ ቀፃሊ እውን ኩለመዳይ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ከምዝኾኑ ምርግጋፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.