Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ዓፋር ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐስ ህወሓት ኣብ ዝምዝገብ ዓወት ኣሰሩ ንኸንብር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዓፋር ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምቕባር ኣብ ዝምዝገብ ዓወት ኣሰሩ ንኸንብር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ህዝቢ እቲ ክልል ኢትዮጵያ ንምክፍፋልን ንምብትታንን ዝንቀሳቐስ ወራሪ ጉጅለ ኣብ ምዕጋት ክሰርሕይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት እቲ ክልል ንምእታው ይፈትን እምበር ዘየዳግም ቅፅዓት ተቐፂዑ ብወራር ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ከምዝተባረረ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ብወራር ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት መሰረተ ልምዓታት ብምዕናው፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓዊሱ ንፁሃን ብግፍዒ ምጭፍጫፉ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ናይቲ ጉጅለ ዘፀይፍን ኢ-ሰብኣዊ ተግባርን ታሪኽ ብነውርነቱ ዝዝክሮ ፀሊም በሰላ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ካብ ስሕተቱ ዘይመሃር ትዕቢተኛ እኽብካብ ጥፍኣት ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ሕዚ እውን ተለኣኣኽቱ ብምትእኽኻብ ኣብ ወረዳታት በራሕለ፣ መጋሌን ጭፍራን ወራር ንምፍፃም እናፈተነ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ዕላማ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብሽም ፌዴራሊዝምን ብሄር ብሄረሰባትን ሞግዚት ኣመሓደርቲ “ዓባይ ትግራይ” ኣብ ምጥያሽ ሕልሙ መገብቲ ምፍጣር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምዃ ምርጫ ሕብረተሰብ ክኸውን ዘለዎ፥ ብሓደ ወገን ባዕዳዊ መግዛእቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ሃፍቱን ግዚኡን ነቲ ዘራፊ ጉጅለ እናገበረ ምሕዳር፤ ወይ ድማ ደሙን ኣዕፅምቱን ከፊሉ ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ብምኽፋል ሃገራዊን ህዝባዊን ናፅነቱ፣ ክብሩን ሃገራዊ ሉኣላዊነቱን ብዘየማትእ ኩነታት ብምርግጋፅ ናይ ኣቦታቱ ታሪኽ ምድጋም ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ዕላማን ሽርሒን ፀላእቱ ብግቡእ ተገንዚቡ ናፅነቱን ክብሩን ብደሙን ኣዕፅምቱን ንምርግጋፅ ኣጥቢቑ ብምቅላስ ዕላማ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ክኸውን ዘይኽል ሕልሚ ከምዝኾነ ብተግባር ምርግጋፅ ናይግድን ዝብለሉ እዋን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ እቲ ክልል እውን ዝተኸፈተ ወራር ንምምካት ዝተውሃቦ ህዝባዊን ታሪኻዊን ሓደራ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ቀዳማይ ዛዕባ ገይሮም እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ብዘለዎ ውሱን ሓይሊ ኩሎም ግምባራት ክሽፍን ናብ ኩሎም ቦታታት ክበፅሕ ስለዘይኽእል፥ ህዝቢ ክፍተታት ካብ ምምላእ ሓሊፉ ከምቀደሙ ቀንዲ ተቃላሲ ብምዃን ኣሰሩ ንኸንብር እቶም ርእሰ ምምሕዳር ሓቲቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኩሎም ነበርቲ እቲ ክልል ዘለዎም ነብሲወከፍ መሳርሒን ዕጥቂን ከምኡ እውን ተተሓሓዝቲ እታወታት ብምጥቃም፥ ኣብ ጎኒ ፍሉይ ሓይሊን ሰራዊት ምክልኻልን ብምስላፍ ክልሎምን ህዝቦምን ካብ ዘንፀላለዎም ሓደጋ ንኸድሕኑ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.