Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ኮይንና ብምስላፍን ዓቕምና ብምትእኽኻብን ሕልፈት እቲ ጉጅለ ራዕዲ ክነቀላጥፍ ኣለና-ክልል ሃረሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብዝሓለፈ ዓመት 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት እዚ ሰሜን ታሪክ ዘይርስዖ ክሕደት ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ እንትፍፅም ፀኒሑ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝሕግዝዎ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ጡብ ኣዶ ዝነኽሱ ናይ ውሽጢ ተለኣኣኽቲን ብምትሕብባር ብኹሉ ኣንፈት ውግእ ከፊቱልና ኢዩ ክብል ገሊፁ።

በቲ ጦርነት ኣብ ጎረቤት ዘለዉ ክልላት ብኹሉ ኣንፈት ብምውራር ብዙሕ ጥፍኣታት ከመዝፈፀመ እውን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኩሉ ግንባር ጦርነት ብምክያዱ ብዙሓት ሓይሊ ሰብ ተደምሲሶም ኢዮም ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ሙሉእ ሓይሉ ናብ ግንባር ወሎ ካብ ህፃን ክሳብ ሽማግለ ከልቲኡ ፆታ፣ ኣካል ጉድኣትን ነፍሰ ፁራትን፣ ኣቦታት ሃይማኖት እንተይተረፉ እናገደደ ከምዘውፈረ ኣብሪሁ።

እቲ ወራሪ ጉጅለ ራዕዲ ክግመት ዘይኽእል ጭካነ ብምልባስ ኣብ ዝበፅሓሎም ከባቢታት ደቂ ኣንስቲዮ ብምድፋር፣ ንፁሃን ብምርሻን፣ መሰረተ ልምዓታት ብምዕናው፣ ናይ መንግስቲን ውልቀን ንብረታት ብምዝራፍ ከምኡውውን እንስሳት ብጥይት እናቐተለ ፀላኢነቱ ብዕሊ ከምዘርኣየ እውን ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያን ሓደ ኮይንና ደው ብምባል ሃገርና ምድሓን ግድነት ኣብ ዝኾነሉ ምዕራፍ ታሪክ ኢና ዘለና ኢሉ።

ነዚ ከምሃገር ቁርፀኛን ዝተናበበን ኣመራርሓ ካብ እንህበለን ዝተወደበ ምንቕናቕ ህዝቢ ኣብ እነረጋግፀሉ ምዕራፍ ቃልሲ ንርከብ ክብል ገሊፁ።

ብህዝባዊ ማዕበል ዝመፅአ ሓይሊ ጀግና መከላኸሊ ሓይልናን ህዝብን ብሓባር ብምዃን እናተናበቡ ብምምካት ዓወት የመዝግቡ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ይኹን እንበር እቲ ጉጅለ ተስፋ ዝቖረፀን ኣጥፊኡ ምጥፋእ ስልቲ ይኽተል ብምህላዉ ካብዚ ንላዕሊ ጥፍኣት እንተይኣብፀሐ ግብኣተ መሬቱ ብምፍፃም ናይ ሰላም ኣየር ምትንፋስ ይግባእ ኢሉ።

ነዚ ድማ ኣብ ክልላና ዝተጀመረ ድጋፍን ውግንናን ኣጠናኺርና እንቕፅለሉ እንትኸውን፥ ህዝቢ እውን ዝተለመደ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል፣ ምውፋር ዝኽእል መንእሰይ ናብ ግንባር፣ ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘቡ ስንቂ ብምድላው ከምኡውን ከባቢኡ ብንቕሓት ብምሕላው ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ ክብል እቲ መግለፂ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.