Fana: At a Speed of Life!

ብኸቢድ ገበን ግዕዝይና ዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት ትፍኣተኛታት ተባሂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከቢድ ገበን ግዕዝይና ፈፂሞም ብዝብል ተጠርጢሮም ክሲ ዝተመስረተሎም ውልቀ ሰባት ጥፍኣተኛታት ዝብል ውሳነ ተመሓላሊፉ።

እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ልደታ 5ይ ጉዳያት ገበን ግዕዝይና 16 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ኢዩ ውሳነ ተመሓላሊፉ ዘሎ፡፡

እቲ ገበን ምስ ነበር ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ሶማሌ ብምምስጣር፥ ን1ይን 2ይን ብርኪ ትምህርቲ ተምሃሮ መምሃሪ ዝኸውን 578 ሺሕን 274 መፃሕፍቲ ብ18 ሚሊየን 990 ሺሕ ብር ተሓቲሙ ንኅቐርብ ውዕሊ ዕድጊት ተተሓሒዙ ዝተፈፀመ ገበን ከምዝኾነ ምርመራ ቤት ፍርዲ ፀሪሑ ሪፖርተር ፀብፂቡ።

ውሳነ ጥፍኣተኝነት ዝተመሓላለፈሎም መካየዲ ስራሕ ኒያላ ኢንሹራንስ ጨንፈር ጂግጂጋ ኮይኖም እናሰርሑ ዝነበሩ ኣይተ ኣብዲ የሱፍን ወናኒ ትካል ፕሪንቲንግ ፕሬስ ክልል ሶማሌን ዋና መካየዲ ስራሕን ኣይተ ቴድሮስ ኣዲሱ (ቴዲ ማንጁስ)ን እንትኾኑ፥ ቤት ፍርዲ ተኸሰስቲ ብዝተኸሰሱሉ ብርኪ እቲ ገበን ከምዝፈፀሙ ብምርግጋፁ ውሳነ ከምዘመሓላለፈሎም ተሓቢሩ፡፡

የማንን ፀጋምን ኣንፈት ርኢቶ ቅፅዓት ንምሕላው ን25 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ከምዝሓዘ ካብ ኮሚሽን ስነምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.