Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ፀገም ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ኣመራርሓታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ከይዲ ኣወሃህባ ትምህርቲ ንምዝማንን መነግስቲ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ጸገማት ምሕደራን መሰረተ ልምዓታትን ከምዝረአዩ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

መብዛሕተአን ዩኒቨርሲቲታት ምስ ፅሬት ትምህርቲ ተተሓሒዙ ዝለዓሉዎ ሕቶታት ምምላስ ንኽኽእሉ ዘለዉዎም ክፍተታት ብቕልጡፍ ፈሊዮም ናይ መፍትሒ ስጉምቲታት ንኽውሰዱ መምርሒ ሂቦም።

ብኻሊእ መዳይ ዩኒቨርሲቲታት መሰጎሚ ቅዋም ፖለቲካ ክኾና ከምዝግባእ ዘተሓሳሰቡ እቶም ሚኒስትር፥ ዩኒቨርሲቲታት ካብ ፅዕንቶ መንግስቲ ናፃ ዝኾነ ኣሰራርሓ ኣብ ምዝርጋሕ ከድህባ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.