Fana: At a Speed of Life!

ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምርኣይ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዙዝ ከምዝኾ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትልሚታት ሰላም፣ ልማትን ዴሞክራሲ ጋህዲ ኣብ ምግባርን ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምርኣይን ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዙዝ ከምዝኾ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተገሊፁ።

እቲ ቢሮ ምስ ኣካላት ሚዲያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።

እቲ ቢሮ በቲ ምምሕዳር ከተማ ከምብሓዱሽ ምስተወደበ፥ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ካልኦትን ጉዳያት ዝተወደበ ሓበሬታ ንምቕራብ ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ብፍልጠት፣ ብሓቂን ብሓበሬታ ዝተደገፈን ሰሙናዊ መግለፂ ምሃብ ሓዊሱ ብዝተሳለጠ መልክዑ ክሳብ ወረዳን ቀበሌን ውፁእን ቅልጡፍን ስራሕቲ ኮሙዩኒኬሽን ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም።

ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ምስ ሃገርን ማሕበረሰብን ዘይምጥኑ ስራሕቲ ምልክታ ኣብ ምቁፅፃር ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን ኣፍሊጡ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.