Fana: At a Speed of Life!

ስግግር ሱዳን ንኽዕወት ኢትዮጵያ እናሰጎመቶ ዝነበረት ቅዋም ኣጠናኺ ክትቅፅል ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሳምንታዊ መግለፂ ሂቦም፡፡

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሱዳንን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ምስ ሱዳን ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሱዳናውያን ውሽጣዊ ፀገሞም ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ክፈትሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ እውን ስግግር ሱዳን ዝተዓወተ ንኽኸውን ቅድም ክብል እናሰጎመቶ ዝነበረት ቅዋም ኣጠናኺ ከምትቕፅል ኣብሪሆም።

ምስ ዲፕሎማሲ ተተሓሒዙ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ሕብረት ኣውሮፕ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ኩነታት ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዘርእዮ ዘሎ ኣፍልጦ ናይ መሃብ ፀገም ከመዓራሪ ከምዝግባእ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምግላፆም ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.