Fana: At a Speed of Life!

ሳፋሪኮም ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳፋሪኮም ኣብ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀንዲ ዝኾነ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምድጋፍ ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ ኣንዋር ሱሳ ኣብ መበል 18 ጉባኤ ዲጂታል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ ተረኺቦም ከምዝገለፁዎ፥ ትካሎም ለውጢ ሃገራዊ ዕቤት ዲጂታል ኢትዮጵያን ምንቅስቓሳት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ብምድጋፍ ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ ኣስተዋፅኡኡ ክገብር ኢዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለን ክልላት ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ዲጂታል ኣገልግሎት ንመሃብ ዘኽእሉ ኣብ እዋን ምድላው መሳርሒታት ኔትዎርክን ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽንን መንግስቲ ንዝገበሮ ምትሕብባር ሕጉስ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

ኩሎም ኣካላት ኢንዱስትሪ ዘካተተ፣ ብምትሕግጋዝን ተረባሕነት ብዘረጋግፅን ኩነታት ስነ-ምህዳር ምህናፅ ከምዝደልዩ ምግላፆም እውን ካብ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.