Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ተመዛቢሎም ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት እውን ሓገዝ እናገበረ ይርከብ።

የኮሚሽኑ የሕዝብ ግንኙነት ኃላፊ አቶ ደበበ ዘውዴ እንደገለጹት፤ በጦርነቱ ምክንያት ለተፈናቀሉና ችግር ለገጠማቸው ዜጎች ሰብዓዊ ድጋፍ እየተደረገ ነው

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ፥ ብምኽንያት ኲናት ንዝተመዛበሉን ፀገም ንዝገጠሞምን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ዕለታዊ ምግቢን ናይ ዓይነት ሓገዝን ዘካትት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምውዳድ እናቐረበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ብምኽንያት ዝተወለዐ ሓደጋ ድርቂ 160 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቐረበሎም ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ 27 ሺሕን 900 ኩምታል እኽሊ ንተሓገዝቲ ከምዝበፅን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናትን ተፈጥሮ ሓደጋን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝቐርብ ሓገዝ 70 ሚኢታዊ ዝኸውን ብመንግስቲ ዝሽፈን ከምዝኾነ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.