Fana: At a Speed of Life!

ሱዳናውያን ፀገሞም ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ናይ ምፍታሕ ክእለት ኣለዎም ኢልና ነኣምን ኢና – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳናውያን ፀገሞም ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ናይ ምፍታሕ ክእለት ኣለዎም ኢሎም ከምዝኣምኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብ ዙዳን ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብቐረባ እናተኸታተሎ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ታሪኻዊን ጥቡቕን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንኣብነት ድማ ሰብ ዋና ስልጣነ ዓቢዪ ሩባ ኣባይ ከምዝኾና ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብዘተ ንኽፍታሕ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ዓቢዪ ግደ ከምዝተፃወተት እውን ኣዘኻኺሮም፡፡

ጉዕዞ ምዕባለ ህዝቢ ሱዳን ንምዕዋት ድማ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገርን ብመሰረት ስምምዕነት ጁባን ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

“እዚ ድማ ሱዳናውያን ዝተፈጠረ ፀገም ብባዕሎም ዓቕሚ ናይ ምፍታሕ ክእለት ኣለዎም ኢልና ነኣምን ኢና” ኢሎም፡፡

ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ንኽታሕ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ከምዝብሉን ናይ ባዕሎም ግደ ንምብርካት ድሉዋት ከምዝኾኑን እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብተፃራሪ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ኢድ ብምእታው ፀገም ንምፍጣርን ልዕልነቶም ንምርግጋፅን ዝሰርሑ ሓይሊታትወፃኢ ብዕቱብ ምክትታል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.