Fana: At a Speed of Life!

ኮሌጅ ፖሊስ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዘሰልጠኖም ፀረ ሽምቅ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ፖሊስ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ን2ይ ግዘ ዘሰልጠኖም ፀረ ሽምቅ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ርእሰ መምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብቲ መድረኽ ድማ መንግስቲ ዝተዛረቦ ዝፍፅም፣ ዘይፍፅሞ ዘይዛረብ ናይ ተግባር መንግስቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓይሊ ፀፅታ ምስ ማሕበረሰብ ብምውዳድ ኣብቲ ክልል ዞባታት መተከልን ካማሽን ዝረአ ምምዝባልን ምጥፋእ ህይወት ሓይሊ ሰብን ብምግታእ ሰላም ንኸዓስል ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣይተ ኣብዩት ኣልቦሮ ብግደኦም፥ ሃገር ለኸ መምርሒታት ፖሊስ ብምጥቃም ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ሸኔን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ልኡኻቶምን ኣብ ሓፂር እዋን ብምድምሳስ ዝተትሓዘ ጉዕዞ ምዕባለ ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ ብዝግበር ፃዕሪ ኣባላት ፖሊስ ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ይግባእ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.