Fana: At a Speed of Life!

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ሮጲ ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ሮጲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ሮጲ ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ሮጲ ኣመሪቑ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2013 ዓ.ም ካልኣይ ዙር ህንፀት ካብ ሞንጎ ዝተጀመሩ ኣቢያተ ትምህርቲ ፈላማይ ዝኾነ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ከተማ ሮጲ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ሮጲ ኢዩ ኣመሪቑ ዘሎ፡፡

ህንፀት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ወርሒ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ 1 ሺሕን 800 ተምሃሮ ብኽልተ ክፍለ ግዘ ክመሃሩሉ ከምዝኽሉ ተገሊፁ።

ንመህነፂ እቲ ቤት ትምህርቲ 14 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ውሽጡ ድማ ሓደ ቤተ መፃሕፍቲ፣ 18 መምሃሪ ክፍሊታት፣ 4 ናይ ናብራቶሪ ክፍሊታትን መመሓደሪ ህንፃን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.