Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኸፈቶ ኲናት ኩሉ ወገን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኮይኑ ንኽምክት ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢታት ውጫሌን ጭፍራን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 30 ዝኾኑ ንፁሃን ዜጋታት ከምዝቐተለ ተገሊፁ።

መንግስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንደሓር ብምባል ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ሐሳብ ከወራርድ ኢየ ብዝብል ኣብቲ ክልል ወራር ዝፈፀመ እቲ ግብረ ራዕዲ፥ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከባቢታት ውጫሌን ጭፍራን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 30 ዝኾኑ ንፁሃን ምቕታሉ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህሓት ወሪሩ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ንፁሃን እናቐተለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን ብከቢድ መሳርሒታት ብዝፈፀሞ ድብደባ ኣብ ከባቢታት ውጫሌን ጭፍራን ንፁሃን ቀቲሉ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ሕልሙ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ከምዝጀመረ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ እቲ እኩይ ተግባሩ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን መኪቶም ሃገር ኣድሒኖም ኢዮም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ሓዱሽ ሜላ ከምዝጀመረ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተኹሲ ኣብ ዝኸፈተሎም ከባቢታት ሕልሙ ንምዕዋት ናይ ሰብ ማዕበል ብምስላፍ ህፃናት ትግራይ እናወደአ ይርከብ ኢሎም።

መንግስቲ ብዝተረጋገአን ብዝተፀንዐን ኩነታት ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ለገሰ፥ እዚ ኲናት ዘይምልከቶ ሰብ ስለዘየለ እቲ ግበረ ራዕዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኸፈቶ ኲናት ንምምካት ኩሉ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ንኽስለፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.