Fana: At a Speed of Life!

ካብ ነብዩ  መሓመድ ተማሂርና ሰላምን ሓድነትን ሃገርና ክንሕሊ ኣለና – ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር እድሪስ 

ካብ ነብዩ  መሓመድ ተማሂርና ሰላምን ሓድነትን ሃገርና ክንሕሊ ኣለና – ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ነቢዩ መሓመድ ናይ ሓድነትን ሰላምን መራሒ ብምዃኖም ሰላምን ሓድነትን ሃገርና ምሕላውን ምጥንኻርን ኣለና ክብሉ  ናይ ኢትዮጵያ እስልምና ጉዳዮች ጠቅላይ ምክር ቤት ፕሬዚደንት ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር  እድሪስ ተዛሪቦም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር እድሪስ መበል 1ሺሕን 496 ናይ ነብዩ መሐመድ መውሊድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረሉ ስነ ስርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ብጎንፅን መቐተልቲን  ተግባር እተዋፈርኩም  “ሽብር ፈጣሪነትኩም ፥ ቅትለትኩምን   አረመኔነትኩምን ደው ኣቢልኩም፤ ሰላም ሃገርና ንሓ፣ ሓድነትና ነኽብር፣ ሃገርና ነልምዕ” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ነብዩ መሓመድ  ናይ እምነት፣ እዝነትን ሓድነትን፣ ሰላምን ማዕርነትንመራሒ ምዃኖም ብምግላፅ፥ካብ ነብና ተማሂርና ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ንክንሕሉን ንክነጠናኽርን ሓደራ እብል ኢሎም።
ባዕልትና ንባዕልትና ንመኻኸር፣ ንተሓባበር፣ ንቀራረብ፣ ንፋቶ፣ ሓደ ንኹን ክብሉ ምዒዶም።

ብኣሰፋ ኣሕመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.