Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ንመሃብ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ኤጀንሲ ትምህርቲ ምዘናን ፈተናታትን ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ንመሃብ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ገሊፁ።

ብመዘሰረት እዚ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ካብ ጥቅምቲ 29 ክሳብ 2 ሕዳር 2014 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ወፍሪ ኣድሂቡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ፡፡

ልዕሊ 617 ሺሕ ተምሃሮ ንፈተና ድሉዋት ከምዝኾኑ ነበር ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ዲላሞ ኦቶሬ ገሊፆም፡፡

እቲ ፈተና ፀገም ፀፅታ ኣብ ዘለዎም ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ፍቓድ ወለዲን ተምሃሮን ከምኡ እውን ከም ኩነታት ፀፅታ እቲ ከባቢ ክካየድ ከምዝኽእል ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡

ብ10 ዓይነታት ትምህርቲ ከምዝተዳለወን ኣብ መርሃ ግብሪ እዚ ዓመት ዓይነት ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ከምዘይተኻተተን እውን እቶም ነበር ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.