Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ዲፕሎማሲ ምስ ስሩዕ ዲፕሎማሲ ብምትእስሳር ንምስራሕ ትኹረት ተገይሩ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ዲፕሎማሲ ምስ ስሩዕ ዲፕሎማሲ ብምትእስሳር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምስላጥ ትኹረት ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀፃሊ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ብግቡእ ንምጥቃም ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኢዩ።

ብፍላይ ምስ ስሩዕ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ብምትእስሳር ምስ ዘበኑ ሓቢሩ ክኸይድ ዝኽእል ቅልጡፍን ውፅኢት ተኮር ዝኾነን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምስራሕ ከምዝተሓሰበ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ዲፒሎማሰኛታት ዲጂታል ዲፕሎማሲ ምስ ስሩዕ ስረሖም ኣጣሚሮም ንኽቕፅሉ ዘኽእሎም ስልጠና እናተውሃቦም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናብ ሃገር ዝተፀውዑ ዲፕሎማሰኛታት ዝወሃቦም ስልጠናታት ዲጂታል ዲፕሎማሲን ካልኦት መዕበዪ ዓቕሚን፥ ክእለቶም ንምድንፋዕ ዘኽእሎም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ምስሊ ሃገር ኩለመዳይ ብዝኾነ መልክዑ ንምፍላጥን ብሄራዊ ረብሓ ብግቡእ ንምኅባርን ዘኽእል ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዶክተር ሹመቴ ይግዛው ብግደኦም፥ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ናብ ዘበናዊ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ክፅምበሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዲጂታል ዲፕሎማሲ፥ወፃኢ ዝንኪ፣ ንኣጠቓቕማ ዝምቹን ብቐሊሉ መልእኽቲ ተበፃሒ ዝገብርን ስለዝኾነ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ክድንፍዕ ምግባር የድሊ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.