Fana: At a Speed of Life!

ብምግቢ ባዕልና ንኽእለሉ እዋን ቀረባ ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ፍርያታውነት ሕርሻ ብምምሕያሽ ብምግቢ ባዕልና ንኽእለሉ እዋን ቀረባ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ገፀን ከምዝገለፀኦ፥ ሎሚ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሬኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምኡ እውን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሄጦሳ ብኹ ገጠም ዝለምዐ ዝራእቲ ስርናይ ተዓዚበን ኢየን።

“ኣብቲ ዑደት ቅድሚ ሕዚ ንሕርሻ ዘይወዓሉ ከባቢታት ብምልማዕ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ተዓዚብና ኢና” ኢለን።

ኣብ ዞባ ኣርሲ ጥራሕ ኣብዚ ዘበነ ምህርቲ ካብ ሞንጎ ዝተሓረሰ 680 ሺሕ ሄክታር መሬት 388 ሺሕ ብኩታ ገጠም ዝለምዐ ከምዝኾነን እዚ ድማ ዓቢዪ ጅማሮ ከምዝኾነን ኣብሪሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.