Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንኣጉዋ ካብ ኢትዮጵያ ንምእጋድ ዘርአየቶ ድሌት ኣብ ህልውና ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘነፃፀረ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ን”ኣጉዋ” ካብ ኢትዮጵያ ንምእጋድ ዘርአየቶ ድሌት ኣብ ህልውና ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘነፃፀረ ከምዝኾነ ሰራሕተኛታት ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ገሊፆም።

ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ኣብቲ ፓርክ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ምስ ኣፍረይቲ ኩባኒያታትን ሰራሕተኛታትን እውንፃንሒት ገይሮም፡፡

ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ወናኒ ክልተ ሼዳት ናሳ ጋርሜንት ዝኾኑ ራግቨንድራ ፓተር፥ ንኣጉዋ ካብ ኢትዮጵያ ንምእጋድ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ውሽጢ ፓርክ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፣ ካብ ወፃኢ ንምምራት ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ኣፍራዪን ኢኮኖሚ ሃገርን ዝጎድእ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ትሕቲኡ 1 ሺሕን 400 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ናሳ ጋርመንት 98 ሚኢታዊ ዝኸውን ፍርያቱ ናብ ኣሜሪካ ከምዝልእኽ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ኣጉዋ ካብ ኢትዮጵያ ንምእጋድ ትገብሮ ምንቅስቓስ ከምተፅነዖን ተፈፃሚ ከምዘይኸውንን ዘለዎም እምነት ብምግላፅ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተግባራዊ ከይኸውን ዝገበሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ 23 ትካላትን 52 መፍረዪ ሼዳትን እንትህሉ፥ ን35 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ይርከብ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.