Fana: At a Speed of Life!

ባህሬን ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ሪፎርም ከምትድግድፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብን ብሄራዊ ኢኮኖሚን ባህሬን ሼክ ሰሊማን ቢን ከልፋ ኣልካልፋ ሃገሮም ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ሪፎርም ከምትድግድፍ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ገንዘብን ብሄራዊ ኢኮኖሚን ባህሬን ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ኣብ ምጥንኃር ኩለመዳይ ምትሕብባርን ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ብዛዕባ ዝርከብ ሪፎርም ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትር መብርሂ ሂቦምዎም፡፡

ምስ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኃር ኩለመዳይ ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝኾ እውን ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ ማዕቐፍ ፕሮግራም ኢኮኖሚ ሓንፂፃ እናሰርሐት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ኣምባሰደር፥ ንቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ማሕለኻ ዝኾኑ ሕጊታትን ኣሰራርሓታትን ብምፍታሽ ንኢንቨስተራት ዝተመቸወት ሃገር ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ፕራይቬታይዝ ብምግባርን ፅቡቕ ኣመራርሓ ብምሃብን ዝበለፀ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ከምዝተነቓቐሐ ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስትር ገንዘብን ብሄራዊ ኢኮኖሚን ባህሬን ሼክ ሰሊማን ቢን ከልፋ ኣልካልፋ ብግደኦም፥ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝረኸበ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ምጥያሹ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ሃገሮም ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ሪፎርም ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕብባርን ከምትገብር እውን ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.