Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሰሜን ወሎን ጎንደርን ንዝነብሩ ወገናት ግቡእ ትኹረት ንኽህብ መንግስቲ ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሰሜን ወሎን ጎንደርን ንዝነብሩ ወገናት ግቡእ ትኹረት ንኽህብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀዊዑ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ህወሓት ንሰባት ብፍርሓትን ብድሌትን ብምግዛእ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምሓዝ ሓደገኛ ፈተነ ምግባሩ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ሕዚ እውን ብፕሮግራም ሴፍቲኔት ዝሕገዝ ልዑል ቁፅሪ ምህላዉ፥ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓማውቲ ንኢትዮጵያ እናመርሐ ዝነበረ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከምዘየሓስብ ዘመላኽት ኢዩ ክብል ገሊፁ እቲ ሚኒስትር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብወራር ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን ዘይሻራዊ መቃለሊ ሰብኣዊ ሓገዝ መንግስቲ ብምቅዋም፣ ህወሓት ንህዝቢ ኣምሓራ ዘለዎ ፅልኢት ዳግም ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሉ።

ህወሓት ናይ ብዙሓት ሰባት ኢኮኖሚ ንምብልሻው ዝዓለመ ጉጅለ ከምዝኾነ፥ ሒዙዎም ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ዝወፅኡ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ኣብ ቀረባ ተታሒዞም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ዝነበሩ ሓረስቶት ከምዝገለፁዎ እውን፥ ወታደራት እቲ ግብረ ራዕዲን ተሓባበርቱን ናይ ሓረስቶት ዝራእቲን ንብረተን ዘሪፎም ኢዮም።

ካብዚ ዝኸፍአ ድማ ዝተኸዘነ ምግቢ ሓረስቶት ከምዝወሰዱን ዝተረፈ ከምዘዕነዉዎን ተገሊፁ።

መኻዚን ሓገዝ ምግቢን ኣብቶም ከባቢታት ንዝርከቡ ተሓገዝቲ ዝተኸፋፈለ ርዳእታ ከምዝወሰደን እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.